Fana: At a Speed of Life!

ስፓርት

ቀዳማይ ሻምፒዮና ኘሮጀክታት ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ተዛዚሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ለካቲት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ካብ 15 ክሳብ 19 ለካቲት 2015 ዓ.ም ኣብ ስታዲየም ድሬዳዋ ስታዲየም እናተኻየደ ዝፀንሐ ቀዳማይ ሻምፒዮና ኘሮጀክታት ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ሎሚ መዓልቲ ተዛዚሙ። ኣብቲ ውድድር÷ ክልል ኦሮሚያ ብምዕዋት ተሸላሚት ፅዋዕ ኮይና፡፡ ክልል ኣምሓራ ካልኣይ ከምኡ እውን ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ሰላሳይ ደረጃ ብመሓዝ ውድድረን ከምዝዛዘማ ካብ ፌደሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ዝረኸብና ሓሬታ የረድእ፡፡ #Ethiopia እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦ ቴሌግራም ገፅና…
Read More...

ኣትሌት ጉዳፍ ፀጋይ ኣብ በርሚንግሀም ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ጉያ 3 ሺሕ ሜትሮ ውሽጢ ገዛ ተዓዊታ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ለካቲት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣትሌት ጉዳፍ ፀጋይ ኣብ በርሚንግሀም ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ጉያ 3 ሺሕ ሜትሮ ውሽጢ ገዛ ቀዳመይቲ ብምውፃእ ተዓዊታ። ኣትሌት ጉዳፍ ፀጋይ ነቲ ርሕቐት ብ8 ደቂቃ 16 ሰኮንድን 69 ማይክሮ ሰኮንድን ዛዚማቶ። ኣትሌት ጉዳፍ ሎሚ መዓልቲ ዘመዝገበቶ ውፅኢት ኣብቲ ርሕቐት  መበል ካልኣይ ቅልጡፍ ሰዓትን ናይ…

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣብ ክፍለ ከተማ ልደታ ዝተሃነፀ ሜዳ ስፖርት ስራሕ ኣጀሚሮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ለካቲት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክፍለ ከተማ ልደታ ዝተሃነፀ ሜዳ ስፖርት ስራሕ ብዕሊ ኣጀሚሮም። እቲ ሜዳ ተተካእቲ ስፖርተኛታት ንምፍራይን ብኹለ መዳይ ዝበቕዐ ትውልዲ ንምቕራፅን ዝዓለመ ምዃኑ ኣብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ። እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦ ቴሌግራም…

ኣብ መበል 44 ሻምፒዮና ሃገር ኣቋፂ ዓለም ንዝተሳተፈት ጉጅለ ኣትሌቲክስ መበረታተዒ ሽልማት ተገይሩላ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 14 ለካቲት ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ መበል 44 ሻምፒዮና ሃገር ኣቋፂ ዓለም ንዝተሳተፈት ጉጅለ ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ መበረታተዒ ሽልማት ተገይሩላ። እቲ ጉጅለ ኣትሌቲክስ ፥ ካብ ዓለም 2 ወርቂ፣ 7 ብሩርን  1 ነሓስን ብድምር 10 ሜዳሊያታት ብምርካብ 2ይ ደረጃ ብመሓዝ ተመሊሱ። ብመሰረት እቲ ሽልማት ድማ እቲ ፌዴሬሽን ወርቂ ንዘምፀአ 45 ሺሕ፣ ንብሩር…

ኣትሌት ጉዳፍ ፀጋይ ሓድሽ ታሪኽ ብምምዝጋብ ተዓዊታ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ለካቲት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣትሌት ጉዳፍ ጸጋይ ትማሊ ረቡዕ ፖላንድ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ገዛ ውሽጢ ውድድር ‘ወርልድ ኢንዶር ማይል’ ካልኣይ ዝቐልጠፈ ሰዓት ብምምዝጋብ ተዓዊታ። ኣብ ቶሩን ፖላንድ ንዝተኻየደ ውድድር ብ4 ደቒቕ 16 ካልኢትን 16 ንኡስ ካልኢትን ዝዛዘመቶ ኮይና ብደረጃ ዓለም ካልኣይ ዝቐልጠፈ ናይ ውሽጢ ገዛ ማይልስ ሰዓት ኣመዝጊባ።…

ትፅቢት ዝግበረሉ ፀወታ ጋንታታት ቅዱስ ጊዮርጊስን ኢትዮጵያ ቡናን ዝቕፅል ቀዳማ ክካየድ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 30 ጥሪ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ቤትኪንግ ፕሪሜርሊግ ኢትዮጵያ መበል 12 ሰሙን ተስተኻኻሊ መርሃ ግብሪ  ፀወታ ጋንታታት ቅዱስ ጊዮርጊስን ኢትዮጵያ ቡናን ዝቕፅል ቀዳም ኣብ ስታዲየም ድሬዳዋ ክካየድ ኢዩ። ቤትኪንግ ፕሪሜርሊግ ኢትዮጵያ 2015 ዓ.ም÷ ካብ ዝተቛረፀሉ መበል 12 ሰሙን ተስተኻኻሊ ፀወታ ብሃንቀውታ ትፅቢት ዝግበረሉ ሸገር ደርቢ ቀዳም 4…

ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ትሕቲ 20 ዓመት ብሓፈሻዊ ዓወት ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ተዛዚሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ጥሪ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ንመበል 11 ግዘ ዝተኻየደ ዕድሚኦም ትሕቲ 20 ዓመት ዝኾኑ ኣትሌታት ዝተሳተፉሉ ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ብሓፈሻዊ ዓወት ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ተዛዚሙ፡፡ ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ብሓፈሻ ብክልቲኡ ፆታ 218 ነጥቢ ብመሓዝ ቀዳመይቲ ተሸላሚት ፅዋዕ ኮይና፡፡ ማእኸል መሰልጠኒ ጥሩነሽ ዲባባ 213 ነጥቢ ብመሓዝ 2ይ፤ ክልል…