ስፓርት
ንጉጅለ ልኡኽ ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ መርሃ ገብሪ ኣፍልጦን ሽልማትን ይካየድ ኣሎ
ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ግንቦት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ መበል 24 ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ኣፍሪካ ንዝተሳተፈ ጉጅለ ልኡኽ ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ መርሃ ገብሪ ኣፍልጦን ሽልማትን ይካየድ ኣሎ፡፡
ኣብቲ ስነ ስርዓት ሽልማት ፕሬዚዳንት ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ስለሺ ስህን ሓዊሱ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ተረኺቦም፡፡
እቲ ጉጅለ ልኡኽ ትማሊ ምሸት ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ እንትበፅሕ ድሙቕ ኣቀባብላ ተገይሩሉ፡፡
ኢትዮጵያ ኣብቲ ውድድር 5 ሜዳሊያታት ወርቂ፣ 4 ብሩርን 6 ነሓስን ብድምር 15 ሜዳሊያታት ብምርካብ ምዝዛማ…
Read More...
ቦርንማውዝ ምስ ማንቼስተር ሲቲ
ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ግንቦት 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ መርሃ ግብሪ መበል 37 ሰሙን ፕሪምየር ሊግ እንግሊዝ፣ ማንቼስተር ሲቲ ካብ ሜድኣ ወፃኢ ተጓዒዛ ምሸት ሰዓት 3፡30 ምስ ቦርንማውዝ ክትገጥም ኢያ።
ብኣሰልጣኒ ፔፕ ጋርዲዮላ እትምራሕ ማንቼስተር ሲቲ ኣብ ውድድር ፅዋዕ እቲ ሊግ ንምፅናሕ ኣብ ቃልሲ ትርከብ።
ማንቼስተር ሲቲ ኣብ ናይ ምሸት ፀወታ…
ጋንታ ሪያል ማድሪድ ንኣሰልጣኒ ጆዜ ሞሪንሆ ንምሻም ተስማዕሚዓ
ኣዲስ ኣበባ፣ ግንቦት 10፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ጋንታ ሪያል ማድሪድ ንነበር ኣሰልጣኒኣ ጆዜ ሞሪንሆ ዳግም ንምሻም ከምዝተስማዕመዐት ተሓቢሩ፡፡
እቲ ዓመተ ውድድር ምስ ጋንታ ሃገሮም ቤኒፊካ ዘሕለፉ ፖርቹጋላዊ ኣሰልጣኒ ጆዜ ሞሪንሆ፤ ናብ ነበር ገዝኦም ሳንቲያጎ ቤርናባው ንምምላስ ተስማዕሚዖም፡፡
እቶም ኣሰልጣኒ ኣብ ሪያል ማድሪድ ንክልተ ዓመት ዘፅነሖም ውዕሊ ኣብ…
ኣርሰናል ምስ በርንሌይ – ልዑል ትፅቢት ዝግበረሉ ፀወታ እዚ ዕለት
ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ግንቦት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ መበል 37 መርሃ ግብሪ እንግሊዝ ፕሪሚየር ኣርሰናል ሻምፒዮን እቲ ሊግ ንምዃን ወሳኒ ዝኾነ ፀወታ ሎሚ ምሰት ክትገብር ኢያ፡፡
ጋንታ ሰሜን ለንደን ናብ ሻምፒዮንሺፕ ምውራዳ ንዘረጋገፀት በርንሌይ ምሸት ሰዓት 4 ኣብ ኤሚሬትስ ክተተኣናግድ ኢያ፡፡
ክልቲአን ጋንታታት ኣብ ፕሪሚየር ሊግ ካብ ዝገበረኦም ዝሓለፉ ሕድሕድ…
ኣብ ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ኣፍሪካ ኢትዮጵያ 15 ሜዳሊያታት ኣኪባ
ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ግንቦት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ብኣሰናዳእነት ጋና እናተኻየደ ኣብ ዝቐነየ መበል 24 ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ኣፍሪካ ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ 15 ሜዳሊያታት ብምእካብ ውድድራ ዛዚማ።
ኣብቲ ውድድር ኣትሌት ኣጃይባ ኣልዩ፣ ምስጋና ሃይሉ፣ ገመቹ ጎዳና፣ ምስጋናው ዋቁማን ውብኣለም ሽጉጤን ሜዳሊያ ወርቂ ኣምፂኦም።
ኣትሌት ኦታጌ ኦባንግ፣ ሙቢን ሃጂን ኣትሌት…
ኣብ ዳይመንድ ሊግ ሻንጋይ ኣትሌት ብርቄ ሓየሎም ተዓዊታ
ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ግንቦት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ሻንጋይ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ዳይመንድ ሊግ 2026 ብደቂ ኣንስትዮ 1 ሺሕን 500 ሜትሮ ኣትሌት ብርቄ ሓየሎም ተዓዊታ፡፡
ኣትሌት ብርቄ ነቲ ርሕቐት 3 ደቒቕ 55 ሰከንድን 56 ማይክሮ ሰከንድን ብዝኾነ ሰዓት ብዓወት ዛዚማ፡፡
እታ ኣትሌት ክብረወሰን እቲ ውድድር ብምምሕያሽን ናይቲ እዋን ቅልጡፍ ሰዓትን ብምምዝጋብ…
ማንቼስተር ሲቲ ሻምፒዮን ፅዋዕ ኤፍ ኤ ካፕ ኮይና
ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ግንቦት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ማንቼስተር ሲቲ ንቼልሲ ብምስዓር ሻምፒዮን ፅዋዕ ኤፍ ኤ ካፕ ዓመተ ውድድር 2025/26 ኮይና፡፡
ሰዓት 11 ኣብ ስታዲየም ዌምብሌይ ዝተኻደ ኣብ ዝተገበረ ፀወታ ፍፃመ ብሕታዊት ሸቶ ማንቼስተር ሲቲ ኣንቷን ሴሜንዮ ኣመዝጊቡዋ፡፡
ድሕሪ 2023 ፅዋዕ ኤፍ ኤ ካፕ ዘሳኸዐት ማንቼስተር ሲቲ ኣብቲ መድረኽ ንሻምናይ ግዘ…