Fana: At a Speed of Life!

ስፓርት

ክርስቲያኖ ሮናልዶ ንብሄራዊ ጋንትኡ 200 ጊዜ ብምስላፍ ኣብ መዝገብ ክብረ ወሰን ዓለም ሽሙ ኣንቢሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ሰነ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ክርስቲያኖ ሮናልዶ ንብሄራዊ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ፖርቹጋል 200 ጊዜ ብምስላፍ ኣብ መዝገብ ክብረ ወሰን ዓለም ሽሙ ኣንቢሩ። ሮናልዶ ትማሊ ምሸትኣብ ኔሽንስ ሊግ ኣውሮፓ ፖርቹጋል ምስ ኣስላንድ ኣብ ዝተጋጠማሉ ፀወታ ንመበል 200 ግዘ ተሰሊፉ ተፃዊቱ። ኣብቲ ፀወታ ሸቶ ብምቑፃር ሃገሩ ክትዕወት ኣኽኢሉ ኢዩ። ነዚ ስዒቡ ክርስቲያኖ ሮናልዶ ንብሄራዊ ጋንትኡ 200 ጊዜ ብምስላፍ ኣብ መዝገብ ክብረ ወሰን ዓለም ሽሙ ኣንቢሩ። ሰርተፍኬት መዝገብ ክብረ ወሰን ዓለም እውን ድሕሪ ፀወታ ምውሳዱ…
Read More...

ብራዚላውያን ተፃወትቲ ዓሌትነት ንምቅዋም ፀሊም ማልያ ተኸዲኖም ናብ ሜዳ ኣትዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሰነ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ተፃወትቲ ሃገራዊት ጋንታ ብራዚል ኣንፃር ጊኒ ኣብ ዘካየድዎ ምሕዝነታዊ ፀወታ ኩሎም ፀሊም ክዳን ብምልባስ ኣብ ኩዕሶ እግሪ ንዝረአ ‘ዓሌትነት’ ዘለዎም ተቓውሞ ገሊፆም። ተፃወትቲ እታ ጋንታ ኣብ ቀዳማይ እብረ ፀዋታ፥ ፀሊም ጥራይ ተኸዲኖም ዝኣተዉ ዀይኖም ኣብ ካልኣይ እብረ ድማ መፍለዪ ጋንታ ብራዚል ዝዀነ ብጫ ብሰማያዊ ዝደመቐ…

ኣትሌት ለሜቻ ግርማ ኣብ ውድድር 3 ሺሕ ሜትሮ ውሽጢ ገዛ ዘመዝገቦ ዓወት ክብረ ወሰን ዓለም ብምዃን ፀዲቑ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 6 ሰነ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣትሌት ለሜቻ ግርማ 15 ለካቲት 2023 ዓ.ም.ፈ ኣብ ፈረንሳይ ኣብ ዝተሳለጠ ውድድር 3 ሺሕ ሜትሮ ውሽጢ ገዛ ዘመዝገቦ ዓወት ክብረ ወሰን ዓለም ብምዃን ፀዲቑ። ኣብ ወርልድ ኣትሌቲክስ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ከምዘረድኦ፥  ኣትሌት ለሜቻ ነቲ ውድድር 7 ደቒቕ 23 ሰኮንድን ከ81 ማይክሮ ሰከንድን ብምእታው ቀዳማይ ኮይኑ ኢዩ…

ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ኣብ ማራቶን ስዊድን ስቶክሆልም  ብክልቲኡ ፆታ ተዓዊቶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ግንቦት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ኣብ ማራቶን ስዊድን ስቶክሆልም  ብክልቲኡ ፆታ ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሳልሳይ ደረጃ ብምሓዝ ተዓዊቶም። ብመሰረት እዚ ብደቂ ተባዕቲዮ ኣትሌት ኣሸናፊ ሞገስ፣ ኣትሌት ደራራ ሁሬሳ፣ ኣትሌት ፀጋዬ መኮንን ብተኸታታሊ ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሳልሳይ ደረጃ ብምሓዝ ውድድሮም ዛዚሞም። ብደቂ ኣንስቲዮ ድማ፥ ኣትሌት…

ፌዴሬሽን ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ምስ ትካል ኣፍራዪ ዕጥቂ ጎፈሬ ሰነድ ስምምዕነት ከቲሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ግንቦት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ፌዴሬሽን ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ምስ ትካል ኣፍራዪ ዕጥቂ ጎፈሬ ሰነድ ስምምዕነት ከቲሙ። ብመሰረት እቲ ውዕል፥ ንቐፃሊ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ንጋንታ ኩዕሶ እግሪ ክልቲኡ ፆታ ንውድድርን ልምምድን ዝኸውን ጥዕቂ ከቕርብ ኢዩ ተባሂሉ። ዋና ፀሓፊ ፌዴሬሽን ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ባህሩ ጥላሁን፥ እቲ ብሄራዊ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኣብ…

ኢትዮጵያዊያን ኣትሌታት ኣብ ውድድር ዳይመንድ ሊግ 1500 ሜትሮ ክሳብ ራብዓይ ደረጃ ተኸታቲለን ብምእታው ተዓዊተን

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ግንቦት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ መረኮ ኣብ ዝተሳለጠ ውድድር 1500 ሜትሮ ዳይመንድ ሊግ ደቂ ኣኒስቲዮ ኢትዮጵያዊያን ኣትሌታት ክሳብ ሳልሳይ ደረጃ ተኸታቲለን ብምእታው ተዓዲተን። ብመሰረት እዚ ኣትሌት ጉዳፍ ፀጋይ 3 ደቒቕ 54 ሰኮንድን 03 ማይክሮ ሰከንድን ቀዳመይ ብምዃን ውድድራ ዛዚማ። ኣትሌት ፍረወይኒ ሃይሉ 3 ደቒቕ 57 ሰከንድን 65…

ፒኤስጂ ንመበል 11 ግዜ ዋንጫ ሊግ 1 ፈረንሳ ዓቲራ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ግንቦት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ፒኤስጂ ብሸቶ ሊዮነል ሜሲ ንመበል 11 ግዜ ዋንጫ ሊግ 1 ፈረንሳ ዓቲራ። ሜሲ ኣብ መበል 59 ደቒቕ፥ ኪልያን እምባፐ ዘቐበሎ ኵዕሶ ናብ ሸቶ ብምቕያር ፒኤስጂ ማዕረ ገይርዋ። ፀወታ ብማዕረ ምዝዛማ ስዒቡ እታ ክለብ ተዓዋቲት ናይዚ ዓመት ዋንጫ ሊግ 1 ኰይና ኣላ። ሊዮነል ሜሲ ዘመዝገባ ሸቶ ኣብ ኤውሮፓ መበል 496…