ስፓርት
ቅዱስ ጊዮርጊስ ንባህርዳር ከተማ ስዒራ
ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ጥቅምቲ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ 5ይ ሰሙን ፀወታ ሲቢኢ ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ቅዱስ ጊዮርጊስ ንባህርዳር ከተማ 3 ን 1 ብዝኾነ ውፅኢት ስዒራ።
ቀትሪ ሰዓት 7:00 ኣብ ስታዲየም ኣዲስ ኣበባ ዝተኻየደ ፀወታ ቅዱስ ጊዮርጊስ ኣቤል ያለው (ክልተ)ን ኣዲሱ ኣቶላን ብዘመዝገቡወን ሸቶታት ሰለስተ ነጥቢ ሒዛ ወፂኣ።
ንባህር ዳር ከተማ ካብ ስዕረት ዘየድሐነት ብሕታዊት ሸቶ ድማ በረከት ጥጋቡ ኣመዝጊቡዋ።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ…
Read More...
ዴዝሬ ዱዌ ሽልማት ጎልደን ቦይ ተዓዊቱ
ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ጥቅምቲ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ፈረንሳዊ ተፃዋቲ ዴዝሬ ዱዌ ሽልማት ጎልደን ቦይ 2025 ተዓዊቱ።
እቲ ወዲ 20 ዓመት ኣብ ውድድር ዓመት 2024/25 ምስ ፒኤስጂ ሻምፒየንስ ሊግ ኣውሮፓን ናይቲ ሊግን ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ፅዋዓት ብምዕዋት ዕዉት ዓመት ምሕላፉ ይዝከር።
ዱዌ ኣብቲ ውድድር ዓመት ኣብ ፈረንሳይ ሊግ-1ን ሻምፒየንስ ሊግ ኣውሮፓን ብሓፈሻ 11…
ኣብ ቻይና ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ማራቶን ኢትዮጵያዊያን ኣትሌታት ተዓዊቶም
ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ጥቅምቲ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ቻይና ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ማራቶን ኢትዮጵያዊያን ኣትሌታት ተዓዊቶም።
ኣብ ሆንዙ ውድድር ማራቶን ብደቂ ኣኒስቲዮ ኣትሌት ሩቲ ኣጋ ብ2:24:29 ብዝኾነ ሰዓት ብምእታው እቲ ውድድር ተዓዊታ።
ብደቂ ተባዕቲዮ ኣትሌት ጫሉ ደሶ ብ2:11:15 ብምእታው እቲ ውድድር ተዓዊታ።
ብተመሳሳሊ ኣብ ቤጂንግ ኣብ ዝተኻየደ…
ናይ ኦሊምፒክ ስፖርትኩለ መዳይ ዓቕሚ መናእሰይ ንምጉልባይ ዘኽአል ኢዩ – ኣይተ ቀጄላ መርዳሳ
ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ጥቅምቲ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ናይ ኦሊምፒክ ስፖርትኩለ መዳይ ዓቕሚ መናእሰይ ንምጉልባይ ዘኽአል ኢዩ ኢሎም ናይ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣማኻሪ ሚኒስትር መናእሰይን ስፖርትን ኣይተ ቀጄላ መርዳሳ።
መዛዘሚ መርሃ ግብሪ ካልኣይ ፀወታ ኦሎምፒክ መናእሰይ ኢትዮጵያ ኣብ ስታዲየም ኣዲስ ኣበባ ተሳሊጡ።
ኣብቲ መርሃ ግብሪ ኣይተ ቀጄላ መርዳሳ፣ ፕሬዚዳንት…
ኣርሰናል እንትትዕወት ማንቸስተር ዩናይትድ ነጥቢ ተማቒላ
ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ጥቅምቲ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ 10ይ ሰሙን ፀወታ ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ኣርሰናል ንሰንደርንድ 2 ን 0 ብምስዓር መሪሕነታ ኣጠናኺራ፡፡
ኣርሰናል ዝተዓወተትለን ሸቶታት ዮኬሬሽን ራይስን ቅድሚ ዕረፍቲ ኣመዝገቦምወን፡፡
ነዚ ስዒቡ ኣርሰናል ብሸውዓተ ነጥቢ ኣፈላላይ ነቲ ሊግ ክትመርሖ ጀሚራ፡፡
ማንቼስተር ዩናይትድ ብግደኣ ናብ ኖቲንግሃም…
ኣብ ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ሎሚ መዓልቲ ሸውዓተ ፀወታታት ክካየዱ ኢዮም
ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ጥቅምቲ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ 10ይ ሰሙን ፀወታታት ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ሎሚ መዓልቲ ሸውዓተ ፀወታታት ክካየዱ ኢዮም።
ምሸት 12:00 መሪሕ እቲ ሊግ ኣርሰናል ኣብ ስታዲየም ተርፍ ሙር ምስ በርንሌይ ክትፃወት ኢያ፡፡
ብተመሳሳሊ ሰዓት ማንቼስተር ዩናይትድ ካብ ሜዳኣ ወፃእ ምስ ኖቲንግሃም ፎረስት ክትራኸብ ኢያ።
ብራይተን ንሊድስ…