Fana: At a Speed of Life!
Browsing Category

ዜናታት ውሽጢ ዓዲ

1 ሺን 29 ኢትዮጵያውያን ካብ ስዑድ ዓረብ ናብ ሃገሮም ተመሊሶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሎሚ መዓልቲ ብሰለስተ ዙር ብዝተገበረ ዜጋታት ካብ ስዑድ ዓረብ ናይ ምምላስ ስራሕ ብሓፈሻ ቁፅሮም 1 ሺን 29 ኢትዮጵያውያን ናብ ሃገሮም ተመሊሶም። ናብ ሃገሮም ካብ ሞንጎ ዝተመለሱ ዜጋታት ሓሙሽተ ህፃናትን 1 ሺሕን 24 ደቂ ተብዕትዮን ከምዝኾኑ…

ፅንፈኝነትን ኣኽራርነትን እናስዐቦ ዝርከብ ጥፍኣት ንምግታእ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ፈፀምቲ እቲ ተግባር ስጉምቲ ክወስድ ከምዝግባእ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ብቐንዱ ብሄርን ሃይማኖትን ሸፋን ዝገበረ ፅንፈኝነትን ኣኽራርነትን እናስዐቦ ዝርከብ ጥፍኣት ንምግታእ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ፈፀምቲ እቲ ተግባር ስጉምቲ ክወስድ ከምዝግባእ ተገሊፁ። ምስ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ፃንሒት ዝገበሩ…

በዓል መዓልቲ ኢትዮጵያውያን ሓርበኛታት ምኽንያት ብምግባር ፅባሕ 21 ግዘ መድፍዕ ክትኮስ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)በዓል መዓልቲ ኢትዮጵያውያን ሓርበኛታት ምኽንያት ብምግባር ፅባሕ 21 ግዘ መድፍዕ ክትኮስ ኢዩ። ፅባሕ 27 ሚያዝያ 2014 ዓ.ም ዝኽበር በዓል መዓልቲ ኢትዮጵያውያን ሓርበኛታት ምኽንያት ብምግባር ፅባሕ ንጉሆ ሰዓት 12፡00 ምስኮነ 21 ግዘ…

ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ዝካየድ ዓለም ለኸ ጉባኤ መዓድን ኢትዮጵያ ሃፍቲ መዓድና ብስፍሓት ንምፍላጥ ምድላው ከምዝተዛዘመ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ዝካየድ ዓለም ለኸ ጉባኤ መዓድን ኢትዮጵያ ሃፍቲ መዓድና ብስፍሓት ንምፍላጥ ምድላው ከምዝተዛዘመ ሚኒስትር መዓድን ኢንጂነር ታከለ ኡማ ገሊፆም። ኢንጂነር ታከለ ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓለለፉዎ መልእኽቲ፥ ድሕሪ…

ኢትዮጵያ ኣብ ፖሊሲን ስትራቴጂታትን ልምዓት ኢንተርፕራይዛት ካብ ኮሪያ ልምዲ ንምቕሳም ትልሚ ኣለዋ – ዶ/ር ፍፁም ኣሰፋ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ፕላንን ልምዓትን ፌዴሪኢ ዶክተር ፍጹም ኣሰፋ  ምስ ኣምባሳደር ደቡብ ኮሪያ ኣብ ካንግ ሶኪ ተዛቲየን፡፡ እተን ሚኒስትር ምስቶም ኣምባሳደር ኣብ ዝገበረኦ ፃንሒት፥ ኢትዮጵያን ኮሪያን ንዘበናት ዝዘለቐ ምትሕብባር ልምዓት ከምዘለወን ዝሓበራ…

ካብ ፍርያታውነት ወፃእ ምዕባለ ምዕዋት ዝሕሰብ ኣይኮነን – ኣይተ መላኩ ኣለበል

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)”ካብ ፍርያታውነት ወፃእ ምዕባለ ምዕዋት ዝሕሰብ ኣይኮነን” ክብሉ ሚኒስትር ኢንዱስትሪ ኣይተ መላኩ ኣለበል ገሊፆም። ኣይተ መላኩ ኣለበል ምንቅስቓስ ኢትዮጵያ ተፍሪ ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ፥ እቲ ምንቅስቓስ ማሕለኻታት ኣፍረይቲ ኢንዱስትሪታት…

ዶክተር ሊያ ታደሰ ሕማም ጊኒ ዎርም ካብ ኢትዮጵያ ንምጥፋእ እናተሳለጡ ዝርከቡ ተግባራት ንምዕዛብ ጋምቤላ ኣቲየን

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ ሕማም ጊኒ ዎርም ካብ ኢትዮጵያ ንምጥፋእ እናተሳለጡ ዝርከቡ ተግባራት ንምዕዛብ ናብ ክልል ጋምቤላ ኣቲየን። እተን ሚኒስትር ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ጋምቤላ እንትበፅሓ፥ ብላዕለዎት ኣመራርሓታት እቲ ክልል ኣቀባበል…

ኣምባሳደር ታዬ ምስ ፍልይቲ ልእኽቲ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ሃና ሰርዋ ቴቴ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዋሚ ልኡኽ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣምባሳደር ታየ ኣፅቀ ስላሴ ምስ ፍልይቲ ልእኽቲ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ሃና ሰርዋ ቴቴ ውፅታዊ ዘተ ምግባሮም ገሊፆም። ኣምባሳደር ታየ ምስተን ኣምባሳደር ኣብ…

ቤት ምኽሪ ክልል ሲዳማ ስሩዕ ጉባኤኡ ምክያድ ጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ቤት ምኽሪ ክልል ሲዳማ ሻድሻይ ዙር ቀዳማይ ዘበን ስራሕ ካልኣይ ስሩዕ ጉባኤኡ ምክያድ ጀሚሩ። ንክልተ መዓልቲ ኣብ ዝካየድ ጉባኤ፥ ቃለ ጉባኤ ምፅዳቕ፣ ተወሳኺ በጀት ምፅዳቕን ሓደሽቲ ሽመታትን ከምዘከናውን ትፅቢት ኣሎ፡፡ ፀብፃብ ኣፈፃፅማ…

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሰላምን ድሕንነትን ንምርግጋፅ ትኹረት ተገይሩ ከምዝስራሕን ህዝቢ ብምስታፍ ከምዝሳለጥን ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣፈፃፅማ ትልሚ ትሽዓተ ኣዋርሕን ቀፀልቲ ኣንፈታትን ግምገማ ኣካይዱ። ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝሓለፉ ትሽዓተ ኣዋርሕ ኣብታ ከተማ ዝነበረ ኣፈፃፅማ ምስ ላዕለዎት ኣመራርሓታት ብሓባር ዝገምገመ እንትኸውን፥ ኣብ…