Fana: At a Speed of Life!
Browsing Category

ዜናታት ውሽጢ ዓዲ

ቴክኖሎጂ ስፔስ ብምጥቃም ውፅኢታውነት እቶት ሕርሻ ንምስሳን ዘኽእል ሰነድ ስምምዕነት ተኸቲሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ለካቲት፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ኢንስቲቲዩት ስፔስ ሳይንስን ቴክኖሎጂን ኢትዮጵያ ቴክኖሎጂ ስፔስ ብምጥቃም ውፅኢታውነት እቶት ሕርሻ ንምስሳን ዘኽእል ሰነድ ስምምዕነት ተኸቲሙ። እቲ ስምምዕነት ሰነድ ሓበሬታ ሳተላይት ብምጥቃም ግብርና ንምዝማን፣ ኣብ ቅድመ ትንበያ ኩነታት ኣየር…

ቀ/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ኣንቶኒ ጄ ብሊንከን ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስት%ር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ኣንቶኒ ጄ ብሊንከን ብዛዕባ ኣብ ትግራይ ዘሎ ኩነታትን እዋናዊ ዛዕባን ብዝምልከት ተዛቲዮም። ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ኣንቶኒ ጄ ብሊንከን ኣብ ትዊተር…

ዓወት ዓድዋ እንትነኽብር ዝተሸርሸረ ሓድነትን ኢትዮጵያዊ ክብርን ንምምላስ ቃል ብምእታው ክኸውን ይግባእ-ዶክተር ሙሉ ነጋ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ) ዓወት ዓድዋ እንትነኽብር ዝተሸርሸረ ሓድነትን ኢትዮጵያዊ ክብርን ንምምላስ ቃል ብምእታው ክኸውን ይግባእ ክብሉ ዋና ኣፈፃሚ ስራሕ ጊዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዶክተር ሙሉ ነጋ ገሊፆም። መበል 125 ዓመት በዓል ዓወት ዓድዋ ኣብ ከተማ መቐለ…

ወርቃማ ዓወት ዝሓፈስና ዝዓበየ ስእሊ ምርኣይ ዝኽእሉ፣ ኣብ እግሪ ዳዕሮ ኮይኖም ፀገማቶም ናይ ምፍታሕ ልምዲ ዘለዎም ኣደታትን ኣቦታትን ስለ ዘለዉና ኢዮም-…

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)መርሃግብሪ መዕፀዊ መድረኽ '' ብዝሰልጠነ ልዝብ ሓዱሽ ምዕራፍ ተስፋ'' ብዝብል ርእሲ ንሰለስተ መዓልታት ክካየድ ዝፀንሐ መድረኽ ዘተ ኣብ ኣደባበይ ሕውነት ሎሚ መዓልቲ ተኻይዱ። ኣብቲ መድረኽ ፕሬዚደንት ሳህለወርቅ ሓዊሱ ርእሳነ ምምሕዳር ክልላት፣…

በዓል ዓወት ዓድዋ በቢጊዚኡ ተሸሪፎም ዘይውድኡ ረቂቕ ሚስጥር ዘለዎ ዓወት ኢዩ-ወ/ሮ ሙፋሪያት ካሚል

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)በዓል ዓወት ዓድዋ በቢጊዚኡ ተሸሪፎም ዘይውድኡ ረቂቕ ሚስጥር ዘለዎ ዓወት ኢዩክብላ ሚኒስትር ሰላም ወ/ሮ ሙፋሪያት ካሚል ገሊፀን። እተን ሚኒስትር '' ብስልጡም ልዝብ ሓዱሽ ምዕራፍ ተስፋ'' ብዝብል ርእሲ ንሰለስተ መዓልታት ክካየድ ዝፀንሐ መድረኽ…

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣብ ትግራይ ደገፍ ንዘድሊዮም ወገናት ዝኸውን 216 ሺሕ ብር ደገፍ ገይሮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ትግራይ ደገፍ ንዘድሊዮም ወገናት ዝኸውን 216 ሺሕ ብር ደገፍ ገይሮም። እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ክብ ሽይጣት መፅሓፎምን ካብ ወርሓዊ መሃየኦምን ብምቕናስ ከምዝለገሱ ተገሊፁ። ብተወሳኺ ሰለስተ ማይ ዘመለልሳ…

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብዝተፈላለዩ ፕሮግራማት ዝተሳለጠ መበል 125 በዓል ዓወት ዓድዋ ብሰላም ከምዝተኸበረ ኮሚሽን ፖሊስ እታ ከተማ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብዝተፈላለዩ ፕሮግራማት ዝተሳለጠ መበል 125 ባዓል ዓወት ዓድዋ ብሰላም ከምዝተኸበረ ኮሚሽን ፖሊስ እታ ከተማ ኣፍሊጡ። ፕሬዝዳንት ፌዴሪኢ ወ/ሮ ሳህለወርቅ ዘውዴ ሓዊሱ ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ኣብ ዝተረኸብሉ ኣብ…

ዩኒቨርሲቲ ጅግጅጋ 200 ተምሃሮ ሕክምናን ጥዕና ሳይንስን ኣመሪቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ዩኒቨርሲቲ ጅግጅጋ ንመጀመርታ ጊዜ ዘሰልጠኖም 32 ዶካተር ሕክምና ሓዊሱ 200 ተምሃሮ ሕክምናን ጥዕና ሳይንስን ኣመሪቑ። ሎሚ መዓልቲ ካብ መንጎ ዝተመረቑ እተን 91 ደቂ ኣኒስትዮ ከምዝኾና ተሓቢሩ። እቲ ዩንቨርስቲ እንትጣየሽ ኣስታት 700…

ንክልል ትግራይ እግሪ መትከሊ ዝውዕል ብር 150 ሚሊየን ሓገዝ ተገይሩ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 22 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ፣ ክልል ሃረሪን ምምሕዳር ከተማ ድሬዳዋን ንመሊስካ ህንፀት ክልል ትግራይ ዝውዕል ብር 150 ሚሊየን ሓገዝ ተገይሮም። እቲ ሓገዝ ብምምክትል ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ወይዘሮ ኣዳነች ኣቤቤ፣ ርእሰ ምምሕዳር…

ዓወት ዓድዋ ኢትዮጵያዊያን ብዘይኣፈላላይ ኢትዮጵያ ዘኽበርሉ ዓወት ኢዩ-ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 23 ለካቲት ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ዓወት ዓድዋ ኢትዮጵያዊያን ብዘይኣፈላላይ ኢትዮጵያ ዘኽበርሉ ዓወት ኢዩ ክብላ ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ገሊፀን። እተን ፕረዚዳንት፥ ዓወት ዓድዋ ባርነት ካብ ምኽሻፍ ንላዕሊ ኢዩ ኢለን። ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ፥ ኣብ ምኒሊክ አደባባይ…