Browsing Category
ዜናታት ውሽጢ ዓዲ
ብምኽንያት ኮቪድ-19 ተናዊሑ ዝነበረ ሃገራዊ መረፃ ኣብዚ ሕዚ እዋን ቅድመ ኹነት ብምምላእ ምክያድ ከምዝከኣል ሚኒስቴር ጥዕና ምኽረ-ሓሳብ ኣቕሪቡ
ኣዲስ ኣበባ፣ 8 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ብምኽንያት ኮቪድ-19 ተናዊሑ ዝነበረ ሃገራዊ መረፃ ኣብዚ ሕዚ እዋን ቅድመ ኹነት ብምምላእ ምክያድ ከምዝከኣል ሚኒስቴር ጥዕና ፌዴሪኢ ምኽረ-ሓሳብ ኣቕሪቡ።
ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ 5ይ ዓመት ዘበን ስራሕ መበል 3ይ ህፁፅ ኣኼብኡ ፅባሕ የሳልጥ…
ኣብ ኢትዮጵያ ትማሊ ብቫይረስኮሮና ዝተለኸፉ ተወሰኽቲ 689 ሰባት እንትርከቡ 15 ሰባት ድማ ህይወቶም ስኢኖም
ኣዲስ ኣበባ፣ 7 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ትማሊ ኣብ ልዕሊ 10 ሺሕን 605 ሰባት ብዝተገበረ ምርመራ ላቦራቶሪ ብቫይረስኮሮና ዝተተሓዙ ተወሰኽቲ 689 ሰባት ከምዝተረኸቡ ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ።
ብመሰረት እዚ ኣብ ኢትዮጵያ በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ቁፅሮም 66 ሺሕን…
ትእምት ንመባእታዊ ሆስፒታል እንትጮ ዝውዕል ብር 20 ሚልየን ሓገዝ ገይራ
ኣዲስ ኣበባ፣ 7 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ምግባረ-ሰናይ ትእምት ንህንፀት መባእታዊ ሆስፒታል እንትጮ ዝኸውን ብር 20 ሚሊየን ሓገዝ ገይራ።
መባእታዊ ሆስፒታል እንትጮ ብምትሕብባር መንግስትን ህዝብን ዝተጀመረ ፕሮጀክት እዩ።
እቲ ፕሮጀክት ኣብዚ ሐዚ እዋን መብዛሕቱ ስራሕቲ ስትራክቸር…
መንግስቲ ትግራይ ብምኽኒያት ምዕልቕላቕ ውሑጅ ካብ መረበቶም ንዝተመዛበሉ ነበርቲ ክልል ዓፋር ልዕሊ 5 ሚሊየን ብር ደገፍ ገይሩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 7 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ብምኽኒያት ሓደጋ ውሑጅ ካብ መረበቶም ንዝተመዛበሉ ነበርቲ ክልል ዓፋር ደገፍ ገይሩ።
እቲ ደገፍ ልዕሊ 5 ሚሊየን ብር ዝግመት እታዎታት ምግቢን ናውቲን ከምዝኾነ ተገሊፁ።
ምግባረ-ሰናይ ትእምት ምስ ትራንስ…
ኣመራርሓታት ፌዴራልን ክልልን ኣብ’ዛ ሃገር ዘጋጠመ ተፈጥሮኣዊ ሓደጋን መንግስቲ ዝወሰዶ ስጉምቲን ብዝምልከት ገምጊሞም
ኣዲስ ኣበባ፣ 7 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣመራርሓ ፌዴራልን ክልልን ኣብ ዝተፈላለዩ ክልልት እዛ ሃገር ጉድኣት ዘብፅሐ ተፈጥሮኣዊ ሓደጋን መንግስቲ ዝወሰዶ ስጉምቲን ብዝምልከት ሎሚ መዓልቲ ገምጊሞም።
ኣብ'ቲ መድረኽ ገምጋም፥ ልዑል ምዕልቕላቕ ውሑጅ እንተጋጠመ እውን ምንም ዓይነት ሕልፈት…
ኣይተ ልደቱ ኣያሌው ክሲ ተመስሪቱሎም
ኣዲስ ኣበባ፣ 7 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣይተ ልደቱ ኣያሌው ኣዋጅ ምምሕዳር መሳርሒ ኲናት 1177/2012 ዓንቀፅ 22 ንኡስ ዓንቀፅ 3 ብምትሕልላፍ ዘይተፈቐደ መሳርሒ ኲናት ብምሓዝ ገበን ክሲ ቀሪቡሎም።
እቲ ክሲ ብላዕለዋይ ዓቃቤ ሕጊ ዞባ ምብራቕ ሸዋ ኣብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ከተማ…
ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ህፁፅ ኣኼብኡ ፅባሕ ከሳልጥ ኢዩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 7 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ መበል ሳልሳይ ህፁፅ ኣኼብኡ ፅባሕ ከሳልጥ ኢዩ።
ቤት ፅሕፈት እቲ ቤት ምኽሪ ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣብ ዝለኣኾ ሓበሬታ ከምዝበሎ፥ እቲ ባይቶ ኣብ ክልተ ኣጀንዳታት ብምድሃብ ክዛተ ኢዩ።
ብመሰረት እዚ መበል…
ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ኣብ ዝተፈላለዩ ኣጀንዳታት ብምዝታይ ውሳነ ኣመሓላሊፉ
ኣዲስ ኣበባ፣ 7 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ትማሊ ኣብ ዘካሳለጦ መበል 89 ስሩዕ ኣኼብኡ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣጀንዳታት ብምዝታይ ውሳነ ኣመሓላሊፉ።
እቲ ቤት ምኽሪ “ኢትዮ ኢንጂነሪንግ ግሩፕ” ንምጥያሽ ኣብ ዝቐረበ ረቂቕ ደንቢ ብቐዳምነት ዝተዛተየ እንትኸውን፥ ቅድመ ሐዚ…
ኣብ ኢትዮጵያ ትማሊ ብዝተገበረ ምርመራ ብቫይረስ ኮሮና ዝተለኸፉ ተወሰኽቲ 738 ሰባት ተረኺቦም
ኣዲስ ኣበባ፣ መስከረም 7፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ትማሊ ኣብ ልዕሊ 8 ሺሕን 355 ሰባት ብዝተገበረ ምርመራ ላቦራቶሪ ብቫይረስኮሮና ዝተተሓዙ ተወሰኽቲ 738 ሰባት ከምዝተረኸቡ ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ።
ብመሰረት እዚ ኣብ ኢትዮጵያ በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ቁፅሮም 66 ሺሕን 224…
ኣብ ትግራይ 49 ወገናት ኮሮና ቫይረስ ተረኺብዎም
ኣዲስ ኣበባ፣ 6 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ውሽጢ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት 398 ሰባት ብዝተገበረ ምርመራ ላብራቶሪ 49 ወገናት ቫይረስኮሮና ከምዝተረኸቦም ቢሮ ጥዕና ክልል ትግራይ ኣፍሊጡ።
ካብዚ ኣቶም 15 ወገናት ካብ ማሕበረሰብ፣ 25 ድማ ምስ ቫይረስ ኮሮና ዘለዎ ሰብ ርክብ ዝነበሮም…