Fana: At a Speed of Life!
Browsing Category

ዜናታት ውሽጢ ዓዲ

ኣብ ከተማታት ደሴን ኮምቦልቻን ህዝባዊ ሰልፊታት ይካየዱ ኣለዉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ከተማታት ደሴን ኮምቦልቻን ኣብ ክልል ኣምሓራ እናተኻየደ ዝርከብ ስራሕቲ ምኽባር ሕጊ ተጠናኺሩ ንኽቕፅል ዝሓትቱ ህዝባዊ ሰልፊታት ይካየዱ ኣለዉ። እቶም ሰልፈኛታት መንግስቲ ኣብቲ ክልል እናካየዶ ዝርከብ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ዝድግፉ መልእኽቲታት…

ኣብ ዶብ ሶማሌ ዝርከብ ሰራዊት ኣብ ኣተኣማማኒ ቁመና ምድላው ከምዝርከብ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ዶብ ሶማሌ ዝርከብ ሰራዊት ኣብ ኣተኣማማኒ ቁመና ምድላው ከምዝርከብ ተገሊፁ። ኣመራርሓ እቲ ጥምር ሰራዊት ኣብ እዋናዊ ኩነታት ሰላም ዝጠመተ ዘተ ኣካይዶም። ሓላፊ መምርሒ ሓይሊ ምውፋር ዋና መምርሒ ወፍሪ ሰራዊት  ጄኔራል ተስፋዬ ኣያሌው፥…

ኢትዮጵያን ታንዛኒያን ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውዲታት ብሓባር ንምስራሕ ተስማዕሚዐን

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያን ታንዛኒያን ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውዲታት ብሓባር ንምስራሕ ዘኽአል ስምምዕነት ከቲመን። እቲ ስምምዕነት፥ ኣብ ሓበራዊ መድረኽ ዘተ ኮሚሽን ሚኒስቴራት ኢትዮጵያ ታንዛኒያ ከምዝተፈፀመ ተሓቢሩ። ሰላምን ፀፅታን፣ ኢኮኖሚ፣ ቱሪዝም፣ ግብርና፣…

ኣብ ዓቃቢ ሰላም ሶማሊያ ዝተዋፈረ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣፍልጦ ተዋሂቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ብልኡኽ ምዕቃብ ሽግግር ሰላም ኣፍሪካ(ኣትሚስ) ኣብ ሶማሊያ ዝተዋፈረ ሰራዊት ኢትዮጵያ ሜዳሊያ ክብሪ  ተዋሂቡ። እቲ ሰራዊት ሽልማት ሜዳሊያ ዝተውሃቦ ኣብ ሶማሊያ ሰላምን ምርግጋዕን ንምፍጣር ብዝሰርሖ ዝነኣድ ስራሕ ከምዝኾነ ተሓቢሩ። ኣዛዚ…

ኣብ ከተማ ሽረ እንዳስላሰ ፕሮጀክት ህንፀት መገዲ ኣስፋልት ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ከተማ ሽረ እንዳስላሰ ዝህነፅ ዘሎ ፕሮጀክት መገዲ ኣስፋልት ይሳለጥ ከምዘሎ ተገሊፁ። እቲ መገዲ ኣስፋልት፥ ሱር ኮንስትራክሽን ምስ ምምሕዳር እታ ከተማ ብመሰረት ዝኣሰሮ ዉዕል ዝህነፅ ዘሎ ኢዩ ተባሂሉ። ካብ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ…

ሃገራዊ ኮንፈረንስ ሰላም ክካየድ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ኢትዮጵያ ካብ 12 ታሕሳስ ጀሚሩ ሃገራዊ ኮንፈረንስ ሰላም ከምዝካየድ ኣፍሊጡ። እቲ ኮንፈረንስ፥ “ሃይማኖት ንሳም ሓድነትን ምክብባርን” ዝብል መሪሕ ሓሳብ ዘለዎ ኢዩ ተባሂሉ። እቲ ጉባኤ፥ ኣብ መንጎ መንግስቲ ክልል…

ስምምዕነት ኣንካራ ንሰላምን ምዕባለን እዚ ቀጣና ወሳኒ ከምዝኾነ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሶማሊያን ኣብ ሕውነትን ሓበራዊ ምክብባርን ብምድራኽ ዝተኸተመ ስምምዕነት ኣንካራ ንሰላምን ምዕባለን  ቀጣና ቀርኒ ኣፍሪካ ወሳኒ ከምዝኾነ ተንታኒ ዓለም ለኸ ጉዳያት፣ ኣማኻሪ መራኸብቲ ሓፋሽን ፀሓፊ ጉዳያት ኣፍሪካን መኪ ኤልሞግራቢ…

ብዘይሕጋዊ መገዲ 6 ሺሕን 200 ግራም ወርቂ ዘዘዋውሩ ዝነበሩ ተጠርጠርቲ ኣብ ቁፅፅር ውዒሎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ብዘይሕጋዊ መገዲ 6 ሺሕን 200 ግራም ወርቂ ዘዘዋውሩ ዝነበሩ ተጠርጠርቲ ኣብ ከተማ ሰመራ ኣብ ቁፅፅር ከምዝወዓሉ ተገሊፁ። ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ኣኽሱም ኣብ ዝጓዓዝ ተሽከርካሪ ውሽጣዊ ክፍሊ እቲ ወርቂ ብምሕባእ ንምሕላፍ እንትፍትኑ ኣባላት ፖሊስ…

ሕብረት ኣውሮፓ ወሳኒ መሓዛ ኢትዮጵያ ከምዝኾነ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሕብረት ኣውሮፓ ወሳኒ መሓዛ ልምዓትን ሰላምን ኢትዮጵያ ከምዝኾነ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ጌዲዮን ጢሞቲዎስ (ዶ/ር) ገሊፆም። በቶም ሚኒስትር ዝምራሕ ልኡኽ ኢትዮጵያ ሓዊሱ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ ኣምባሳደራትን ተወከልቲን ኣባል ሃገራት ሕብረት…

ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣዋጅ ብሄራዊ ባንኪ ኣፅዲቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣዋጅ ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ብምምርማር ብሙሉእ ድምፂ ኣፅዲቑ፡፡ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዘካየዶ መበል 11 ስሩዕ ኣኼባ ኢዩ እቲ ኣዋጅ ኣፅዲቑዎ፡፡ ገዛኢ ብሄራዊ ባንኪ ማሞ ምህረቱ ኣባላት እቲ ባይቶ…