Fana: At a Speed of Life!
Browsing Category

ዜናታት ውሽጢ ዓዲ

ባንኪ ዓለም ኣብ ፈጠራ ዕድል ስራሕ ንመናእሰይ ተረባሕቲ ንምግባር ሓገዝ ምግባር ከምዝቕፅል ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ባንኪ ዓለም ክእለት ዝመርሖ ኣንፈት ፈጠራ ዕድል ስራሕ መሰረት ብምግባር ንመናእሰይን ደቂ ኣንስትዮን ተሳተፍቲን ተረባሕቲን ንምግባር ስትራቴጂያዊ ምሕዝነቱ ከምዝቕፅል ኣፍሊጡ። ሚኒስትር ስራሕን ክእለትን ሙፈሪሃት ካሚል ምስ ዳይሬክተር ዓለም ባንክ አብ…

ኢትዮጵያ ቃል ዝኣተወትሎም ስምምዕነታት ክሌማዊ ለውጢ ቆፂራ እተረክብ ከምዝኾነት ውሕመ ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ቃል ዝኣተወትሎም ስምምዕነታት ክሌማዊ ለውጢ ቆፂራ እተረክብ ከምዝኾነት ፕሮግራም ልምዓት ውድብ ሕቡራት መንግስታት(ዩኤንዲፒ) ገሊፁ። ካብ ዱባይ ክሳብ ባኩ ኣብ ዝሓለፈ ሓደ ዓመት ኢትዮጵያ ኣብ ክሌማዊ ለውጢ ዝሰርሓቶም ስራሕቲ ዝጠመተ መድረኽ…

ኣብ ከተማ መቐለ ብ10 ሚሊየን ዶላር ፕሮጀክት መጠራቐምን መፃረዪን ረሳሕ ፈሳሲ ክህነፅ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ) ፀገም ምውጋድ ረሳሕ ፈሳሲ ከተማ መቐለ ንምቕራፍ ዘኽእል ፕሮጀክት መጠራቐምን መፃረዪን ረሳሕ ፈሳሲ ከም ዝህነፅ ተገሊፁ። እቲ ፕሮጀክት፥ ካብ ባንኪ ዓለም ብዝተረኸበ 10 ሚሊየን ዶላር  ከምዝህነፅ ሚኒስቴሪ ማይን ኢነርጅን ፌዴሪኢ ምስ መዳርግቲ…

ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀስላሴ ምስ ፕሬዚዳንት ኣዘርባጃን ዘቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀስላሴ ምስ ፕሬዚዳንት ኣዘርባጃን ኢልሃም አሊዬቭ  ዘቲዮም። ፕሬዚዳንት ታዬ፥ ኣብ ጉባኤ ክሌማዊ ለውጢ (ኮፕ 29) ውሕመ ንምስታፍ ኣብ ኣዘርባጃን ባኩ ኢዮም ዘለዉ። ጎድኒ ንጎድኒ እቲ ጉባኤ ምስ ፕሬዚዳንት እታ ሃገር ኢልሃም…

ኢትዮጵያ ኣብ ኮንፈረንስ ዲፕሎማሲ ወፅኢታዊ ስራሕ ፈፂማ- ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝሓለፈ ቀዳማይ ርባዕ ዓመት ኢትዮጵያ ኣብ ኮንፈረንስ ዲፕሎማሲ ወፅኢታዊ ስራሕ ከምዘካየደት ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ፌዴሪኢ ኣፍሊጡ። ኣቐባሊ ቃል እቲ ሚኒስቴር ኣምባሳደር ነብያት ጌታቸው ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ፥ ኣብ ቀዳማይ ርባዕ ዓመት 2017…

ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ክልል ኦሮሚያ ህዝባዊ ሰልፍታት ተሳሊጦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ) ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ክልል ኦሮሚያ ህዝባዊ ሰልፍታት ተሳሊጦም። እቲ ህዝባዊ ሰልፍታት፥ ኣብ ምዕራብ ሸዋ፣ ምብራቕ ሸዋ፣ ቄለም ወለጋን ዞባታት ኣርሲን ኢዩ ተኻይዱ። ኣብቲ ሰልፊ ኣባ ገዳታት፣ ሃደ ሲንቄታት፣ መራሕቲ ሃይማኖትን ዝተፋላለዩ…

መድረኽ ዘተ ዳግመ ሕውየት ማሕበር ባህሊ ትግራይ ተሳሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ትግራይ መድረኽ ምኽክር ንዳግመ ሕውየት ማሕበር ባህሊ ትግራይ ተሳሊጡ ። እቲ መድረኽ ብመተሓባበራይነት ማሕበር ባህሊ ትግራይን ጩራ ኣቡጊዳ ኪነ ጥበባዊ ማሕበርን ዝተዳለወ እንትኾን ካብ ምስረታ ማሕበር ባህሊ ትግራይ ጀሚሩ ኣብ ምዕቃብ ባህሊ…

ኣብ ትግራይ 50 ሚኢታዊ ዝራእቲ ከምዝተኣከበ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ትግራይ 50 ሚኢታዊ ዝራእቲ ዘበነ መህርቲ 2016/17 ከምዝተኣከበ ቢሮ ሕርሻን ልምዓት ገፀርን ግዚያዊ ምምሕዳር እቲ ክልል ኣፍሊጡ። ምክትል ሓላፊ እቲ ቢሮ ኣይተ ኣበራ ከደነው፥ እዋኑ ዘይሓለወ ዝናብ ኣብ ልዕሊ ዝራእቲ ጉድኣት ንከየብፅሕ…

ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ምክልኻል ሕማም ካንሰር በሪ ማህፀን ፍሉይ ትኹረት ተገይሩ ኢዩ – ቢሮ ጥዕና እቲ ክልል

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ምክልኻል ሕማም ካንሰር (መንሽሮ) በሪ ማህፀን ፍሉይ ትኹረት ከምዝተገበረ ቢሮ ጥዕና እቲ ክልል ኣፍሊጡ፡፡ ኣብቲ ክልል ወፍሪ ክታበት መከላኸሊ ሕማም መንሽሮ በሪ ማህፀን ኣብ ዝቕፅል ሰኑይ ከምዝጅምር እውን ገሊፁ። ቢሮ…

ውዕሊ ተፈሙዎም ሰብ ዘይኣተዎም ንበዓል ዕጫ ዝተመሓላለፉ መንበሪን ናይ ንግዲን ኣባይቲ ፍፃመኦም …

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝተፈላለዩ ዓመታት ብ20/80፣ 40/60ን ብጨረታን ንመንበሪን ንንግዲን ዝተመሓላሊፎም ውዕሊ ይፈፀም እምበር ክሳብ ሐዚ ዕድለኛታት ዘይኣተዉዎም ምህላዎም “ንዘይሕጋዊ ተግባር” እናወዓሉ ከምዝኾኑ ይግለፅ፡፡ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት “ጉዳይ…