Browsing Category
ዜናታት ውሽጢ ዓዲ
መንግስቲ ዜጋታት ኣብ ዓለም ለኸ ዕዳጋ ተወዳደርቲ ንኽኾኑ ዝሃቦ ትኹረት ዝበረታታዕ ከምዝኾነ ተገሊፁ
ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)መንግስቲ ኢትዮጵያ ዜጋታት ኣብ ዓለም ለኸ ዕዳጋ ተወዳደርቲ ንኽኾኑ ዝሃቦ ትኹረት ዝበረታታዕ ከምዝኾነ ልኡኽ መንግስቲ ስዑድ ዓረብ ገሊፁ።
እቲ ጉጅለ ልኡኽ ናብ ናብ ወፃኢ ሃገር ንስራሕ ዝዋፈሩ ዜጋታት ኣድላዪ ክእለት ንኸደንፍዑ እናገበረ ኣብ ዝርከብ…
ብሄራዊ ፎረም ኢንቨስትመንት ሕርሻ ሸብ ሃፍቲ ኣብ ዓውዲ ሕርሻ ግንዛበ ብምርካብ ንኽሰርሑ ዝሕግዝ ኢዩ – ግርማ ኣመንቴ (ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ብሄራዊ ፎረም ኢንቨስትመንት ሕርሻ ሰብ ሃፍቲ ኣብ ሜካናይዜሽን ሕርሻ፣ ልምዓት መስኖ ስርናይ፣ ጥዕና ሓመድ፣ መኖ እንስሳትን ልምዓት እንስሳን እኹል ግንዛበ ብምርካብ ንኽሰርሑ ዝሕግዝ ኢዩ ተባሂሉ።
“ዓሚቕ ዓቕሚ ዓውዲ ሕርሻ ንጠቐም” ብዝብል መሪሕ…
ኣብ መፋርቕ ባጀት ዘበን 2017 ሰለስተ ሓደሽቲ ክታበታት ህፃናት ምሃብ ክጅመር ኢዩ-ሚኒስቴር ጥዕና
ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ መፋርቕ ባጀት ዘበን 2017 ሰለስተ ሓደሽቲ ክታበታት ህፃናት ምሃብ ክጅመር ኢዩ ክብል ሚኒስቴር ጥዕና ገሊፁ።
ኣብቲ ሚኒስቴር ኣፈፃሚ ስራሕ ኣገልግሎት ጥዕና ኣዴታት ህፃናትን መናእሰይን ዶክተር ኣለማየሁ ሁንዱማ፥ ኣወሃህባ እቲ ክታበት ንምጅማር…
ኣብ ሃረማያ፣ ሃረር፣ ጅግጅጋ፣ ደገሃቡር፣ ፊቅን ከባቢታትን ሓይሊ ኤሌክትሪክ ተቛሪፁ
ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ 132 ኪሎ ቮልት ልዑል ሓይሊ ተሸካሚ መስመር ብዘጋጠመ ብልሽት ምኽኒያት ኣብ ሃረማያ፣ ሃረር፣ ጅግጅጋ፣ ደገሃቡር፣ ፊቅን ከባቢታትን ሓይሊ ኤሌክትሪክ ከምዝተቛረፀ ተገሊፁ።
እቲ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ሎሚ ሰዓት 5፡30 ቅድሚ ቀትሪ ከምዘጋጠመ…
ባእዲ ነገር ዝተሓወሰሉ ዘይቲ ብልዒ ናብ ዕዳጋ ኣቕሪቦም ዝተብሃሉ ተጠርጠርቲ ኣብ ቁፅፅር ሕጊ ውዒሎም
ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ባእዲ ነገር ዝተሓወሰሉን ንፅህንኡ ዘይሓለወን ልዕሊ 200 ጀሪካን ዘይቲ ብልዒ ናብ ዕዳጋ ኣቕሪቦም ዝተብሃሉ ተጠርጠርቲ ኣብ ቁፅፅር ሕጊ ከምዝወዓሉ ተገሊፁ።
እቶም ተጠርጠርቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክፍለ ከተማ ኣዲስ ወረዳ 1 ኢዮም ኣብ ቁፅፅር ውዒሎም…
ብሰለስተ ፍሪያታት ሆርቲካልቸር ምስ ኮሜሳ ብምትሕብባር ንምስራሕ ዘኽእል ስምምዕነት ተኸቲሙ
ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ) ኢትዮጵያ ብፍሪያታት ኣቮካዶ፣ ቀይሕ ሽጉርቲን ድንሽን ምስ ሓበራዊ ዕዳጋ ምብራቕን ደቡባዊን ኣፍሪካ(ኮሜሳ) ብምትሕብባር ንምስራሕ ዘኽእል ሰነድ ስምምዕነት ኸቲማ።
መድረኽ ምትእስሳር ሆርቲ ካልቸር ሓበራዊ ዕዳጋ ምብራቕን ደቡባዊን ኣፍሪካ(ኮሜሳ)…
እዚ ኮማንዶን ኣየር ወለድን ፍሉይ ሓይሊ ፀረ ሓይሊታት ግብረ ራዕዲ ኣመሪቑ
ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ትሕቲ እዚ ኮማንዶን ኣየር ወለድን ዝርከብ መሰልጠኒ ቤት ትምህርቲ ፍሉይ ሓይሊ ፀረ ሓይሊታት ግብረ ራዕዲ “ሃደንቲ” ብዝብል መፀውዒ ዘሰልጠኖም መበል 12 ዙር ፍሉይ ሓይሊታት ፀረ ግብረ ራዕዲ ሓይሊታት ኣመሪቑ።
ኣብቲ ስነ-ስርዓት ምረቓ ላዕለዋይ…
ህዝባዊ ሓይሊ ሰብ ኩዌት ኢትዮጵያውያን ኣብ ኩዌት ክሰርሑሉ ኣብ ዝኽእሉ ኩነታት እናሓገዘ ከምዝኾነ ገሊፁ
ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)በዓል መዚ ህዝባዊ ሓይሊ ሰብ ኩዌት ምስ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ዘለዎ ምትሕብባር ንምጥንኻርን ኢትዮጵያውያን ሰራሕተኛታት ኣብ ኩዌት ምስራሕ ንኽኽእሉ ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ንምቅልጣፍ ድሉው ከምዝኾነ ገሊፁ።
ምክትል ዋና ዳይሬክተር እቲ በዓል መዚ ሙሳድ ኣል…
ንህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት)
ብሄራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ(ህ.ወ.ሓ.ት) ሓፈሻዊ ግባኤኡ ክገብር ከምዝኾነ ንመራኽብቲ ሓፋሽ ምዝራቡ ስዒቡ እቲ ቦርድ ነቲ ፓርቲ ዝፀሓፎ ደብዳበ ከምዝስዕብ ቀሪቡ ኣሎ።
ንህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት)
መቐለ
ጉዳዩ…
ሚኒስቴር ስራሕን ክእለትን ኣብ ከተማ ቀብሪ በያህ ዘህነፆም ኣባይቲን መምሃሪ ክፍሊታትን ኣረኪቡ
ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስቴር ስራሕን ክእለትን ተፀዋዕቲ ትካላትን ኣብ ክልል ሶማሌ ከተማ ቀብሪ በያህ ብኣገልግሎት ወለንታ ዘህነፁዎም ናይ ዓቕመ ደካማታት ኣባይቲን መምሃሪ ክፍሊታትን ንተጠቀምቲ ኣረኪቡ።
እቲ ሚኒስቴር ነቶም መንበሪ ኣባይቲን ንተወሳኺ መምሀሪ ክፍሊታት…