Browsing Category
ዜናታት ውሽጢ ዓዲ
ንካልኣይ ትውልዲ ኢትዮጵያውያን ዝተፈላለዩ ምድላዋት ከምዝተሰናድኡ ተገሊፁ
ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ወፃኢ ዓዲ ንዝነብሩ ንካልኣይ ትውልዲ ኢትዮጵያውያን ዝቐረበ ፃውዒት ስዒቡ ንዝመፅኡ ወገናት ዝኸውን ሓሙሽተ ምድላዋት ከምዝተሰናድኡ ተገሊፁ።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ዘቕረብዎ ፃውዒት ስዒቡ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝነብሩ ካልኣይ…
ሚኒስቴር ደቂ ኣኒስቲዮን ማሕበራዊ ጉዳይን ፌዴራል ንትግራይ 5 ሚሊየን ብር ሓገዝ ሂቡ
ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ታሓሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ) ሚኒስቴር ደቂ ኣኒስቲዮን ማሕበራዊ ጉዳይን ፌዴራል ንክልል ትግራይ ሓሙሽተ ሚሊየን ብር ሓገዝ ሂቡ።
ብሚኒስትራት ፌዴራል ዝተመረሐ ጉጅለ ልኡኽ ዝተፈላለዩ ሓገዛት ሒዙ ሎሚ መቐለ ዝአተወ እንትኾን ምስ ዝምልከቶም ኣካላት እውን ተራኺቡ ኣሎ…
ኣብ ረብሓታት በሪ ባሕሪ ዝጠመተ ዘተ ኣብ ዩንቨርስቲ ጂማ ይሳለጥ ኣሎ
ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ረብሓታት በሪ ባሕሪ ዝጠመተ ዘተ ኣብ ዩንቨርስቲ ጂማ ይሳለጥ ኣሎ።
ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሶማሊላንድን ዝተኸተመ ስምምዕነት ንዞባዊ ሰላምን ልምዓትን ልዑል ረብሓ ከምዘለዎ ዝገልፁ መፅናዕታዊ ፅሑፋት ብምቕራብ ዘተ ተገይሩሎም።
ኣብቲ መፅናዕቲ፥…
ፕሮጀክት ቱሪዝም ደንዲ ኢኮ ወንጪ ብብርኪ ሃገር ዝግለፅ ልምዓት ቱሪዝም ኢዩ – ኣብርሃም በላይ (ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሮጀክት ቱሪዝም ደንዲ ኢኮ ወንጪ ብብርኪ ሃገር ዝግለፅ ልምዓት ቱሪዝም ኢዩ ክብሉ ሚኒስትር ምክልኻል ሃገር ኣብርሃም በላይ (ዶ/ር) ገሊፆም።
እቶም ሚኒስትር ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ፥ መንግስቲ ዘለዉ ሃፍቲ ንዓውዲ ቱሪዝም ብዝጥዕም መገዲ ንምልማዕ…
ባንኪ ዓለም ኢትዮጵያ ሓዊሱ 6 ሃገራት ኣፍሪካ ልዑል ዕብየት ኢኮኖሚ ከምዘርእያ ተንቢዩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ባንኪ ዓለም ኢትዮጵያ ሓዊሱ ሽዱሽተ ሃገራት ኣፍሪካ ኣብ 2024 ዓ.ም.ፈ ልዑል ዕብየት ኢኮኖሚ ከምዘርእያ ተንቢዩ።
እቲ ባንኪ ኣብዚ ሰሙን ኣብ ዘውፀኦ ፀብፃብ፥ ኒጀር፣ ሴኔጋልን ሩዋንዳን ኣብ 2024 ኣብ ዓለም ልዑል ምዕባለ ኢኮኖሚ ካብ መንጎ…
ዝተፈላለዩ ሚኒስትራት ዝሓቖፈ ጉጅለ ሉኡኽ መንግስቲ ፌዴራል መቐለ ኣትዩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒሰትር እቶት ወ/ሮ ኣይናለም ንጉሰ፣ ሚኒስትር ደቂ ኣነስትዮን ማሕበራዊ ጉዳይን ዶክተር ኣርጎጌ ተስፋይ፣ ኮሚሽን ጉምሩክ ኣይተ ደበሌ ቃበታ ሓዊሱ ካልኦት ብርክት ዝበሉ ሚኒስትራት ዘካተተ ጉጅለ ሉኡኽ መንግስቲ ፌዴራል መቐለ ኣትዩ።
ኣባላት እቲ ልኡኽ…
መስሕባት ቱሪስት ክልል ዓፋር ንካልኣይ ንትውልዲ ኢትዮጵያዊያን ንምጉብናይ ምድላው ከምዝተገበረ ተገሊፁ
ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)መስሕባት ቱሪስት ክልል ዓፋር ንካልኣይ ንትውልዲ ኢትዮጵያዊያን ንምጉብናይ ምድላው ከምዝተገበረ ተገሊፁ።
ሓላፊ ቢሮ ቱሪዝም እቲ ክልል ኣሕመድ ዓብዱልቃድር ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ከምዝበልዎ፥ ኣብ ክልል ዓፋር ዘሎ ምንቅስቓስ ቱሪዝም ምንቕቓሕ…
ስምምዕነት በሪ ባሕሪ ኢትዮ-ሶማሊላንድ ብቕንዕና ዝውሰድን ዝድገፍን ሃገራዊ ዛዕባ ኢዩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ምስ ሶማሊላንድ ዝገበረቶ ስምምዕነት በሪ ባሕሪ ብቕንዕና ዝውሰድን ዝድገፍን ሃገራዊ ዛዕባ ከምዝኾነን ንተግባራዊነቱ ሓገዝ ከምዝገብሩን ኣባላት ሓራዊ ቤት ምኽሪ ፓርቲታት ፖለቲካ ገሊፆም።
ሓራዊ ቤት ምኽሪ ፓርቲታት ፖለቲካ ኢትዮጵያ ኣብ እዋናዊ…
ወደብ ሓዊሱ ኣብ ማያዊ ኣካላት ግልጋሎት ሚቲዎሮሎጂ ንመሃብ ዘኽእል ምድላው ይግበር ኣሎ
ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢንስቲትዩት ሚቲዎሮሎጂ ኢትዮጵያ ወደብ ሓዊሱ ኣብ ማያዊ ኣካላት ቴክኖሎጂ ማሪን ብምጥቃም ግልጋሎት ሚቲዎሮሎጂ ንመሃብ ዘኽእል ምድላው እናገበረ ምዃኑ ኣፍሊጡ።
እቲ ኢንስቲትዩት ካብ ኢትዮጵያ ሓሊፉ ጎረባብቲ ሃገራት ተጠቃሚ ዝገብር ግልጋሎት ሚቲዮሮሎጂ…
ኣብ ክልል ትግራይ ለውጢ ከባብያዊ ኣየርን ድርቅን ንምክልኻል 382 ወሓዝቲ ንምልማዕ ዘኽእል ፕሮጀክት ይሳለጥ ኣሎ
ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ትግራይ ለውጢ ከባብያዊ ኣየርን ድርቅን ንምክልኻል 382 ወሓዝቲ ንምልማዕ ዘኽእል ፕሮጀክት እናተሳለጠ ምዃኑ ቢሮ ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ግዝያዊ ምምሕዳር እቲ ክልል ኣፍሊጡ።
መተሓባበሪ ኣፈፃፅማ ፕሮጀክት ልምዓት ወሓዝቲ እቲ ቢሮ ኣይተ…