Fana: At a Speed of Life!

መናእሰይ ከስእነና ዝኽእል ዘይሕጋዊ ዝውውር ሰባት ክንከላኸሎ ይግባእ-ምክትል ከንቲባ ጃንጥራር ኣባይ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣፍረይቲ መናእሰይ ከስእነና ዝኽእል ዘይሕጋዊ ዝውውር ሰባት ክንከላኸሎ ይግባእ ምክትል  ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባጃንጥራር ኣባይ ገሊፆም። ቤት ምኽሪ  ብሰባት ናይ ምንጋድን ብዘይሕጋዊ መገዲ ዶብ ናይ ምሽጋር ገበን ናይ ምክልኻለን ምቁፅፃርን…

ዓለም ለኸ ኮሚቱ ቀይሕ መስቀል ኣብ ክልል ሶማሌ ን1 ሺሕ መራሕቲ ስድራ ሓገዝ ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ዓለም ለኸ ኮሚቱ ቀይሕ መስቀል ኣብ ክልል ሶማሌ ወረዳ ቱሊጉሌድ ን1 ሺሕ መራሕቲ ስድራ ሓገዝ ገይሩ። እቲ ሓገዝ ዘርኢ ምሸላ ባሕሪ ምሸላን ዘካተተ እንትኸውን፥ ኣብቲ ክልል ንዝርከቡ 4 ሺሕ መራሕቲ ስድራ ምክፍፋል ስርናይ እናካየደ ከምዝኾነ ካብቲ…

ኣፈፃፅማ ስራሕ 2014 ዓ.ም ኣብያተ ዕዮ ሚኒስቴራት ይግምገም ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 29 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣፈፃፅማ ስራሕ 2014 ዓ.ም ኣብያተ ዕዮ ሚኒስቴራት ይግምገም ኣሎ። እቲ መድረኽ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ዝመርሕዎ እንትኸውን፥ ኣፈፃፅማ ስራሕ 10 ኣዋርሕ እተን ኣብያተ ብዝምልከት ኢዩ ዝግምገም ዘሎ። ነቲ ፀብፃብ ዘቕረባ ሚኒስትር ፕላንን…

ኣብ ናይጀሪያ ኣብ ቤተክርስቲያን ብተፈጸመ መጥቃዕቲ ህይወት 50 ሰባት ሓሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ናይጀሪያ ኣብ ዝርከብ ቤተክርስቲያን ካቶሊክ ዕጡቓት ብዝፈጸሙዎ መጥቃዕቲ ብውሑዱ ህይወት 50 ሰባት ሓሊፉ ተገሊፁ። ሰብ መዚ እታ ግዝኣት ከምዝሓሩዎ፥ ዕጡቓት ነቲ ተግባር ዝፈፀሙዎ፤ ምእመናን ቅዲስ ፍራንሲስ ኣብ ውሽጢ ዝተብሃለ ቤተክርስቲያን…

ንተመዛበልቲ ዋግ ኽምራ ልዕሊ 7 ሚሊየን ብር ዝግመት ደገፍ ተገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኦርቶዶስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያ ሃገረ ስብከት ዋግ ኽምራ፥ ልዕሊ 7 ሚሊየን ብር ዝግመት ደገፍ ንተመዛበልቲ ዋግ ኽምራ ገይራ። ነቲ ደገፍ ዘረከቡ ሊቀ ጳጳስ እቲ ሃገረ ስብከት ኣቡነ በርናባስ ከምዝበልዎ፥ ብምኽኒያት ኣብዛ ሃገር…

ጥንኩር ሃገር ንምህናፅ ሃገራዊ ፀገማት ብምይይጥን ብምዝርራብን ምፍታሕ የድሊ – ዶክተር ይልቃል ከፋለ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ጥንኩር ሃገር ንምህናፅ ሃገራዊ ፀገማት ብምይይጥን ብምዝርራብን ምፍታሕ ከምዘድሊ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ዶክተር ይልቃል ከፋለ ገሊፆም። ሃገራዊ ኮሚሽን ምኽክር ኢትዮጵያኣብ ክልል ኣምሓራ ምስ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ መርሃ ግብሪ…

ህወሓት ሰብኣዊ ሓገዝ ካብ ንፁሃን ኣሕዲጉ ብምውሳድ ልምዲ ዘለዎ ውድብ ምዃኑ ነበር ዲፕሎማት ኣውሮፓ ተዛሪቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ህወሓት ብምኽንያ ኲናት ዝተጎድኡ ዜጋታት ናብ ትግራይ ዝለኣኽ ሰብኣዊ ሓገዝ ናይ ምሕዳግ ልምዱ የቐፅል ምህላዉ ነበር ዲፕሎማት ኣውሮፓ ተዛሪቦም። ጉዳይ ኢትዮጵያ ብቐረባ ዝከታተሉን ኣምባሳደር ፊንላንድ ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበሩን ሲሞ ፓርቪያነን ምስ…

መለለዪ ስቲከር ተረባሕቲ ዝተተለመ ድጎማ ነዳዲ ዝኾና ተሽከርከርቲ ዕላዊ ኮይኑ  

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣገልግሎት ትራንስፖርት ህዝቢ ዝህባ ተሸከርከርቲ ተረባሕቲ ዝተተለመ ድጎማ ነዳዲ ምዃነን ዝገልፅ መፍለዪ ዕላዊ ኮይኑ። እቲ መፍለዪ ክልተ ዓይነት እንትኸውን፥ ንስሩዕ ሃገር ኣቋራፂ ተሸከርከርቲ ኣገለልግሎት ትራንስፖርት ህዝቢን ኣብ ክልላት ንዝርከባ…

ምዕራባዊያን ሃገራት ንዩክሬን ናይ ነዊሕ ርሕቐት ሚሳኤላት እንተቕሪበን ሩሲያ ሓደሽቲ ዒላማታት ንምውቃዕ ክትግደድ ኢያ – ፕሬዚዳንት ፑቲን

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሬዚዳንት ሩሲያ ቭላድሚር ፑቲን "ኣሜሪካ ትኹን ካልኦት ምዕራባዊያን ሃገራት ንዩክሬን ናይ ነዊሕ ርሕቐት ሚሳኤላት እንተቕሪበን ሩሲያ ሓደሽቲ ዒላማታት ንምውቃዕ ክትግደድ ኢያ” ክብሉ ኣጠንቂቖም። ከምዚ ዓይነት ዝበሉ ሚሳኤላት ንዩክሬን ዝቐርቡ…

ትካል ምግቢን ሕርሻን ዓለም ልዕሊ 600 ሺሕ ንዝኾኑ ሓረስቶት እታወት ሕርሻ ከምዘቕርብ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ግዳያት ጎንፂ ኣብ ዝኾኑ ከባቢታ ንዝነብሩ 620 ሺሕ ሓረስቶት እታወት ሕርሻ ንምቕራብ እናሰርሐ ከምዝኾነ ትካል ምግቢን ሕርሻን ዓለም (ፋኦ) ኣፍሊጡ። ተወካሊት ትካል ምግቢን ሕርሻን ዓለም ኣብ ሕብረት ኣፍሪካን ምብራቕ…