Fana: At a Speed of Life!

ስፔሻላይዝድ ሆስፒታል ቅዱስ ጴጥሮስ ብቫይረስ ኮረኖ ዝተለኸፉ ሕሙማት ንምቕባል ዘኽእሎ ስራሕቲ ምዝዛሙ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ስፔሻላይዝድ ሆስፒታል ቅዱስ ጴጥሮስ ብቫይረስ ኮረኖ ዝተለኸፉ ሕሙማት ንምቕባል ዘኽእሎ ስራሕቲ ቅድመ ምድላው ምውጋኑ ኣፍሊጡ። እቲ ሆስፒታል ቫይረስ ኮሮና ሃንደበት ናብ ውሽጢ ዓዲ እንተኣትዩ በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ሕሙማት ንኸተኣናግድ…

ኣብ ኢትዮጵያ በቢዓመቱ ልዕሊ 5 ሺሕ ደቂ ኣንስትዮ ብምኽንያት ሕማም መንሽሮ ጫፍ ማህፀን ህይወተን ከምዝሓልፍ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ በቢዓመቱ ልዕሊ 5 ሺሕ ደቂ ኣንስትዮ ብምኽንያት ሕማም መንሽሮ ጫፍ ማህፀን ህይወተን ከምዝሓልፍ ተገሊፁ። ሕማም መንሽሮ ጫፍ ማህፀን ብዝምልከት፥ ሙሁራት ናይቲ ዓውዲ፣ ሚኒስትር ጥዕና፣ ከምኡ እውን ካልኦት ኣጋር ኣካላት ዝተሳተፉሉ…

ንዝኽሪ ኢንጅነር ስመኘው በቀለ ዝተሰርሐ ሓወልቲ ተመሪቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ነበር ዋና መካየዲ ስራሕ ዓቢዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ኢንጅነር ስመኘው በቀለ ዝተሰርሐ ዝኽሪ ሓወልቲ ሎሚ መዓልቲ ተመሪቑ። ኣብ ስነ- ስርዓት ምረቓ እቲ ሓወልቲ፥ ሚኒስትር ማይ፣ መስኖን ኢነርጂን ዶክተር ኢንጅነር ስለሺ በቀለ፣ ሚኒስትር ኢኖቬሽንን…

ኣብ ከተማ ጋምቤላ ለውጢ ዝድግፍ ሰልፊ ይካየድ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ከተማ ጋምቤላ ለውጢ ዝድግፍ ሰልፊ ይካየድ ኣሎ። ኣብቲ ሰልፊ መናእሰይን ደቂ ኣንስትዮን ሓዊሱ ኣብ ከተማ ጋምቤላን ከባቢኣን ዝነብሩ ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብ ይሳተፉ ኣለዉ። እቶም ነበርቲ፥ ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ…

ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ምስ ኣባላት ብሄራዊ ኮሚሽን ዕርቀ ሰላም ይዛተዩ ኣለዉ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 12 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ምስ ኣባላት ብሄራዊ ኮሚሽን ዕርቀ ሰላም ይዛተዩ ኣለዉ። እቲ ኮሚሽን ካብ ዝጣየሽ ሓደ ዓመት ዝመልኦ እንትኸውን፥ ክሳብ ሐዚ ዝሰርሖም ስራሕቲ ዝምልከት ፀብፃብ ኣብቲ መድረኽ ዘተ ኣቕሪቡ። ዓቕሙ…

መበል 11 መድረኽ ዘተ ኮሚሽነራት ቤት ህንፀት ክልልን ፌዴራልን ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 12 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)መበል 11 መድረኽ ዘተ ኮሚሽነራት ቤት ህንፀት ክልልን ፌዴራልን ኣብ ከተማ ባህርዳር ይሳለጥ ኣሎ። እቲ ጉባኤ “ ኣብያተ ህንፀት እዛ ሃገር ሰብኣዊ መሰልን ልዕልነት ሕጊን ዝኽበረለን ውፅኢታዊ ማእኸላት ህንፀት ክንገብረን ኢና” ዝብል መሪሕ ቃል…

ጠፊኡ ዝነበረ ናይ መበል 18 ክፍለ ዘበን ዘውዲ ኢትዮጵያ ተመሊሱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)መንግስቲ ኔዘርላንድስ ጠፊኡ ንዝነበረ ናይ መበል 18 ክፍለ ዘበን ዘውዲ ኢትዮጵያ ኣረኪቡ። እቲ ዘውዲ፥ ሚኒስትር ንግዲ ወፃኢን ትሕብብር ልምዓትን ሲግሪድ ካግ ሎሚ መዓልቲ ንቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣረኪቦምዎም። ሚኒስትር…

መበል 83 ዓመት መዓልቲ ሰማእታት ይኽበር ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)መበል 83 ዓመት መዓልቲ ሰማእታት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣደባባይ ሓወልቲ ሰማእታት ይኽበር ኣሎ። እቲ በዓል፥ ሓርበኛታት ኣቦታትን ኣዴታትን ነበርቲ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተረኸቡሉ ኢዩ እናተኸበረ ዝርከብ። ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ሃገርን…

ትማሊ ምሸት ኣብ ዝተኻየደ ዓለም ለኸ ውድድር ውሽጢ ገዛ ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ተዓዊቶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ትማሊ ምሸት ኣብ ፈረንሳይ ዝተኻየደ ዓለም ለኸ ውድድር ውሽጢ ገዛ ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ተዓዊቶም። ኣብቲ ውድድር፥ ብ1 ሺሕን 500 ሜትሮ ብኽልቲኡ ፆታ፣ ከምኡ እውን ብ3 ሺሕ ሜትሮ ብደቂ ተባዕትዮ ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ተዓወትቲ ክኾኑ…

ኢትዮጵያ ኣብ ቀዳማይ ፈረቓ ዓመት 39 ነጥቢ 2 ቢሊየን ብር ልቓሕን ሓገዝን ከምዝረኸበት ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 11 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ኣብ ቀዳማይ ፈረቓ ዓመት 2012 ዓ.ም 39 ነጥቢ 2 ቢሊየን ብር ልቓሕን ሓገዝን ከምዝረኸበት ሚኒስቴር ገንዘብ ኣፍሊጡ። ሚኒስቴር ገንዘብ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ፥ እቲ 16 ነጥቢ 3 ቢሊየን ብር ካብ ዓለም ለኸ ትካል ገንዘብ…