Fana: At a Speed of Life!

ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኦሮሚያ ብምዃን ተሸይሞም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 11 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኦሮሚያ ብምዃን ሎሚ መዓልቲ ተሸይሞም። እቲ ሹመት ጨፌ ኦሮሚያ ኣብ ዘካይዶ ዘሎ ስሩዕ ጉባኤኡ ዝፀደቐ እንትኸውን፥ ኣይተ ሽመልስ ሎሚ መዓልቲ ቃለ ማሕላ ከምዝፈፀሙ ተገሊፁ። ርእሰ ምምሕዳር ክልል…

ማይክ ፖምፒዮ ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበሮም ፃንሒት ዕላዊ ዑደት ስራሕ ዛዚሞም

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሚኒስትር ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ማይክ ፖምፒዮ ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበሮም ፃንሒት ዕላዊ ዑደት ስራሕ ዛዚሞም። ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ንምግባር ብቕድሚ ትማሊ ምሸት ናብ ኣዲስ ኣበባ ምእታዎም ይዝከር። ፖምፒዮ…

ትግራይ ደም ዝፈሰላ ዘይኮነትስ ልምዓት ዝውሕጀላ ንክትከውን ኩላትና ብሓባር ንኽተት-ዶክተር ደብረፂዮን

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣቦ መንበር ህወሓት ዶክተር ደብረፂዮን ገብረሚካኤል ፅምብል በዓል ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህወሓት 11 ለካቲት ብዝምልከት ኣብ ስታዲዮም ትግራይ ሎሚ መዓልቲ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም። መበል 45 ዓመት ልደት ህወሓትን ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ…

ኣብ ወረዳ ከባቢ ጎንደር ናይ ድሕሪት እግሪ ዘይብሉ ምራኽ ተወሊዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ክልል ኣምሓራ ወረዳ ከባቢ ጎንደር ናይ ድሕሪት እግሪ ዘይብሉ ምራኽ ተወሊዱ። ኣቲ ምራኽ፥ ኣብቲ ወረዳ ጣቢያ ፂዮን ሰጓጅ ከምዝተወለደ ካብ ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ማእኸላይ ዞባ ጎንደር ዝረኽብናዮ ሓበሬታ የረድእ። ቅድሚ ሕዚ፥…

ኣብ ፈጠራ ዕድል ስራሕን ኣህጉራዊ ቁጠባዊ ዕቤትን ኣፍሪካ ትኹረት ዝገበረ መድረኽ ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ፈጠራ ዕድል ስራሕን ኣህጉራዊ ቁጠባዊ ዕቤትን ኣፍሪካ ትኹረት ዝገበረ መድረኽ ይሳለጥ ኣሎ። እቲ መድረኽ “ንፈጠርቲ ዕድል ስራሕ ናፃ ምውፃእ” ብዝብል መሪሕ ቃል ኣብ ኣዳራሽ ኮሚሽን ኢኮኖሚ ኣፍሪካ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኢዩ እናተካየደ…

ማይክ ፖምፔዮ ምስ ተወከልቲ ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ኢትዮጵያ ተዛትዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ማይክ ፖምፔዮ ምስ ተወከልቲ ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ኢትዮጵያ ተዛትዮም። ኣብ ውሽጢ ዴሞክራሲያዊ ስርዓት ኣድላይነት ናፅነት ሃይማኖት ብዝምልከት ምዝታዮም እውን ተገሊፁ። እቶም ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ፥ ቀፃሊ…

ሓድነትን ሰላምን ንምርግጋፅ ከላሽንን ታንኪን ዘይኮነስ ልምዓት ምምፃእ ይግባእ – ቀ/ሚ ዶክተር ኣቢይ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሓድነትን ሰላምን ኢትዮጵያ ንምርግጋፅ ከላሽንን ታንኪን ዘይኮነስ ልምዓት ምርግጋፅ ከምዝግባእ ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ገሊፆም። ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ንነበርቲ ዞባ ስልጤ ከተማ ወራቤ ኣብ ስታዲየም ወራቤ ተረኺቦም…

መበል 45 ዓመት በዓል 11 ለካቲት ብብርኪ ክልል ኣብ መቐለ ሎሚ መዓልቲ ተፀምቢሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ፅምብል በዓል መበል 45 ዓመት ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ 11 ለካቲት ብብርኪ ክልል ኣብ ከተማ መቐለ ሎሚ መዓልቲ ተኸቢሩ። እቲ በዓል ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ 2012 ዓ.ም ጀሚሩ ኣብ መላእ ትግራይ፣ ኣብ…

ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዶ/ር ደብረፂዮን ገብረ ሚካኤል መበል 45 ዓመት በዓል 11 ምኽንያት ብምግባር መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዶክተር ደብረፂዮን ገብረ ሚካኤል መበል 45 ዓመት በዓል 11 ምኽንያት ብምግባር ናይ እንኳዕ ኣብፀሐኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም። ሙሉእ ትሕዝቶ ናይቲ መልእኽቲ ከምዚ ዝስዕብ ቀሪቡ ኣሎ፦ ሰላም!…

ካብ ኣባላትን ኣመራርሓታትን ፓርቲ ብልፅግና ጨንፈር ትግራይ ዝተውሃበ መግለፂ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣባላትን ኣመራርሓታትን ፓርቲ ብልፅግና ጨንፈር ትግራይ ንመበል 45 ዓመት ዝኽበር ዘሎ በዓል 11 ለካቲት ኣመልኪቶም ናይ እንኳዕ ኣብፀሐኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም። ካብ ኣባላትን ኣመራርሓታትን ፓርቲ ብልፅግና ጨንፈር ትግራይ ዝተውሃበ መግለፂ፦…