Fana: At a Speed of Life!

ፑቲን ኣብ ሰሜን ኮሪያ ዑደት ንክገብሩ ኪም ጆንግ ኡን ዘቕረቡሎም እንግዶት ተቐቢሎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 መስከረም፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሬዚዳንት ሩሲያ ቭላድሚር  ፑቲን ኣብ ሰሜን ኮሪያ ዑደት ንክገብሩ መራሒ እታ ሃገር ኪም ጆንግ ኡን ዘቕረቡሎም እንግዶት ተቐቢሎም። ኣብ ሩሲያ ዑደት ስራሕ ዝገብሩ ዘለዉ ኪም ጆንግ ኡን፥ ሃገሮም ብወተሃደራዊ ዓውዲ ብምትሕብባር ንምስራሕ ኣብ…

ኣብ ትግራይ ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ ንተኸታተልቲ 5 መዓልታት ዝፀንሕ ስልጠና ንመምህራን ክወሃብ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 መስከረም፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ትግራይ ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ ንተኸታተልቲ ሓሙሽተ መዓልታት ዝፀንሕ ስልጠና ንመምህራን ከምዝወሃብ ተገሊፁ። ቢሮ ትምህርቲ ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ከመዝገለፆ፥ እቲ ስልጠና ንልዕሊ 37 ሺሕ መምህራንን ኪኢላታትን ቤት ፅሕፈት…

ባንኪ ልምዓት ኣፍሪካ ንኢትዮጵያ ዝኸውን ደገፍ 104 ሚሊየን ዶላር ኣፅዲቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 መስከረም፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ባንኪ ልምዓት ኣፍሪካ ንምምሕያሽ ቀረብ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ዝኸውን ደገፍ 104 ሚሊየን ዶላር ኣፅዲቑ። ቦርድ ዳይሬክቶሬት እቲ ባንኪ ካብ ዘፅደቖ እቲ  52 ሚሊየን ዶላር ካብ ፈንድ ልምዓት ኣፍሪካ ዝተረኸበ ኢዩ ተባሂሉ። ዝተረፈ ድማ…

ኣብ ኢትዮጵያ ፖሊሲ ስግግር ፍትሒ ንተወከልቲ ሕብረት ኣውሮፓ ገለፃ ተገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 መስከረም፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢን ሚኒስቴር ፍትሒን መቐመጢኦም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንዝገበሩ ተወከልቲ ኣባል ሃገራት ሕብረት ኣውሮፓ ኣብ ከይዲ ፖሊሲ ስግግር ፍትሒ ዘድሃበ ገለፃ ገይሮም፡፡ እቲ መብርሂ ዝሃቡ ሚኒስትር ፍትሒ ጌዲዮን ጢሞቴዎስ (ዶ/ር) ከምዝኾኑ…

ኣይተ ደመቀ መኮንን ምስ ፍሉይ ልኡኽ ደቡብ ኮሪያ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 መስከረም፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮንን ምስ ፍሉይ ልኡኽ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ሪፐብሊክ ደቡብ ኮሪያ ሃክ ቼል ሺንን ኣብ ቤት ፅሕፈቶም ተቐቢሎም ተዛቲዮም። ኣብ ዘተኦም ድማ ርክብ ኢትዮጵያን ደቡብ ኮሪያን…

መርማሪ ቦርድ ኣብ ትሕቲ ፅላል ሕጊ ዝርከቡ ተጠርጣርቲ ትዕዝብቲን ምርመራ ምግባሩ ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 መስከረም፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)መርማሪ ቦርድ ኣፈፃፅማ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ኣብ ክልል ኣምሓራ ምስዝተፈጠረ ፀገም ፀጥታ ተተሓሒዙ ኣብ ትሕቲ ፅላል ሕጊ ዝርከቡ ተጠርጣርቲ (እሱራት) ትዕዝብቲን ምርመራ ምግባሩ ኣፍሊጡ፡፡ መርማሪ ቦርድ ኣፈፃፅማ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ምልከታን ምርመራን…

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ኣብ ሊቢያ ብዘጋጠመ ጉድኣት ዝተሰመዖም ሓዘን ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ሊቢያ ብዘጋጠመ ሓደጋ ውጀሕጅ ህይወቶም ንዝሰኣኑ ስድራቤትን ጉድኣት ዝበፅሖምን ኣካላት ዝተሰመዖም መሪር ሓዘን ገሊፆም። ኣብ ምብራቓዊ ግዝኣት ሊቢያ ከተማ ደርና ኣብዚ ሰሙን ብዘጋጠመ ሓደጋ ውሕጅ ክሳብ…

ኣብ መጀመርታ 10 መዓልቲታት ወርሒ መስከረም ዘሎ ኩታት ኣየር ንስራሕቲ ሕርሻ ዝምቹ ከምዝኾነ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 መስከረም፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ መጀመርታ 10 መዓልቲታት ወርሒ መስከረም ዘሎ ኩታት ኣየር ንስራሕቲ ሕርሻ ዝምቹ ከምዝኾነ ኢንስቲትዩት ሚቲዎሮሎጂ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ። እቲ ኩነታት ኣየር ቅድም ኢሎም ንዝተዘርኡ፣ ፍረ ኣብ መሓዝ ዝርከቡን ደንጉዮም ንዝተዘርኡ ከምኡ እውን ኣብ…

ግብፂ ናይ 3 መዓልቲ ብሄራዊ ሓዘን ኣዊጃ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 መስከረም፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ግብፂ ኣብ ሞሮኮን ሊቢያን ብዘጋጠሙ ሓደጋታት ምሕዝነታ ንምግላፅ ናይ ሰለስተ መዓልቲ ብሄራዊ ሓዘን ኣዊጃ። ፕሬዚዳንት ግብፂ ኣብድልፈታህ ኣል ሲሲ÷ “ህዝቢ ግብፂ፤ ህዝቢ ሞሮኮን ሊቢያን ብዘጋጠመ ሓደጋ ጉድኣት ንዝበፅሖም ዜጋታት ልባዊ ሓዘኑን…

ኢትዮጵያ ኣብ ኣኼባ ዛዕባ ኣተገባብራ ምትሕብባር ርክብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ኣባል ሃገራት ብሪክስ ትሳተፍ ኣላ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 መስከረም፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ኣብ ኣኼባ ዛዕባ ኣተገባብራ ምትሕብባር ርክብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ኣባል ሃገራት ብሪክስ ትሳተፍ ኣላ። ኣብቲ መድረኽ ንኢትዮጵያ ብምውካል ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ሙክታር ከድር (ዶ/ር) ተረኺቦም። ኣብ ደርባን ኩዋዙሉ…