Fana: At a Speed of Life!
Browsing Tag

ዝተመረፁ

ትካላዊ ሪፎርም እቲ ሕብረት መሰረታዊ ለውጢ ብዘምፅእ መልክዑ እናተወገነ ይርከብ – ሙሳ ፋኪ ማህማት

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ለካቲት፣ 2017(ኤፍ ኤም ሲ)ትካላዊ ሪፎርም ሕብረት ኣፍሪካ መሰረታዊ ለውጢ ብዘምፅእ መልክዑ እናተወገነ ከምዝኾነ ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ሙሳ ፋኪ ማህማት ገሊፆም። መበል 46 ስሩዕ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ሕብረት ኣፍሪካ ይካየድ ኣሎ። እቶም ኣቦ መንበር ኣብቲ…

ዓወት ልምዓት ስርናይ ኢትዮጵያ ኣፍሪካ ብምግቢ ርእሳ ከምትኽእል መረጋገፂ ኢዩ – ፕሬዚዳንት ታዬ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ ኣብ ልምዓት ስርናይ ዘመዝገበቶ ዓወተት ኣፍሪካ ብምግቢ ርእሳ ከምትኽእል መረጋገፂ ኢዩ ክብሉ ፕሬዚዳንት ፌዲሪኢ ታዬ ኣፅቀ ስላሴ ገሊፆም። ዓለም ለኸ ጉባኤ ልምዓት መስኖን ንክሌማዊ ለውጢ ዘይብዳህ መፍረያይነትን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይካየድ…

መበል 46 ስሩዕ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ፈፃሚ ስራሕ ሕብረት አፍሪካ ምክያድ ጀሚሩ

ዲስ አኣበባ፣ 5 ለካቲት፣ 2017(ኤፍ ኤም ሲ)መበል 46 ስሩዕ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ፈፃሚ ስራሕ ሕብረት አፍሪካ ምክያድ ጀሚሩ፡፡ እቲ ኣኼባ "መከሓሓሲ ፍትሒ ንፍሪካውያንን ዘርኣ-ኣፍሪካውያንን” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኢዩ እናተኻየደ ዝርከብ፡፡ ኣብቲ ኣኼባ ሚኒስትራት ጉዳያት ወፃኢ ሃገራት…

ኢትዮ-ቴሌኮም ጣቢያታት መምልኢ ባትሪ ኤሌትሪክ መኪና ዕላዊ ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮ-ቴሌኮም ማእኸላት መምልኢ ባትሪ ኤሌትሪክ መኪና ሎሚ መዓልቲ ስራሕ ኣጀሚሩ፡፡ እተን መምልኢ ባትሪታት ኣልትራ ፋስት፣ ሱፐር ፋስትን ሃንደበታዊ ኤሌክትሪክ ተሽከርካሪ ቻርጀር ዝተብሃሉ ከምዝኾኑ ዋና ፈፃት ስራሕ ኢትዮ ቴሌኮም ፍሬህይወት ታምሩ…

ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ብዕዉት ኩነታት ንምትእንጋድ ዘኽእል ኩለ መዳያዊ ምድላው ተገይሩ-መንግስቲ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)መበል 38 ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ብዕዉት ኩነታት ንምትእንጋድ ዘኽእል ኩለ መዳያዊ ምድላው ከምዝተገበረ ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ኣፍሊጡ። እቲ ኣገልግሎት ነዚ ጠሚቱ ዘውፀኦ እዋናዊ መግለፂ ብሙሉኡ ከም ዝስዕብ ቀሪቡ ኣሎ። እዋናዊ…

ብኣይተ ኣደም ፋራህ ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ ናብ ዱባይ ኣቲዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ብመዓርግ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ሓላፊ ማእኸል መተሓባበሪ ህንፀት ስርዓት ዴሞክራሲን ምክትል ፕሬዚዳንት ፕሬዚዳንት ፓርቲ ብልፅግናን ኣደም ፋራህ ዝተመርሐ ላዕለዋይ ጉጅለ ልኡኽ ፌዲሪኢ ኣብ ጉባኤ መንግስታት ዓለም ንምስታፍ ኣብ ዱባይ ይርከብ።…

ልኡኻት ኣሜሪካን ዝተፈላለያ ሃገራት ኣውሮፓን መቐለ ኣቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ልኡኻት ኣሜሪካ፣ እንግሊዝ፣ ጣልያን፣ ጀርመን፣ ዴንማርክ፣ ፈረንሳይን ሕብረት ኣውሮፓን  ሎሚ ንጎሆ መቐለ ኣትዮም። እቶም ልኡኻት ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ኣሉላ ኣባ ነጋ እንትበፅሑ ርእሰ ምምሕዳር ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ተግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ…

መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ቁልፊ ፀገማት ኢኮኖሚ ከምዝቐረፈ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ለከቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ብመንግስቲ ተግባራዊ ዝተገበረ መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ቁልፊ ፀገማት ኢኮኖሚ ከምዝቐረፈ ሚኒሰትር ገንዘብ ኣፍሊጡ። ሚኒስተር ገንዘንብን ተፀዋዕቲ ትካላትን ገምጋም ኣፈፃፅማ መደባት ቀዳማይ ፈረቓ ዓመት 2017 ዓ.ም ኣካይደን። ሚኒስትር ገንዘብ…

ኢትዮጵያ ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ንምስንዳእ ዘኽእላ ምድላው ብምዝዛም ኣጋይሻ ንምቕባል እናተፀበየት ትርከብ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ንምስንዳእ ዘኽእላ ምድላው ብምዝዛም ኣጋይሻ ንምቕባል እናተፀበየት ትርከብ። መርሃ ግብሪ ምቕባል ኣጋይሽ ሚኒስትር ዴኤታ ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ብርቱካን ኣያኖ ኣብ ዝተረኸባሉ ብማርች ባንድን ብካልኦት…

ህንፀት ማእኸል ኮንቬንሽን ኢንተርናሽናል ኣዲስ ደረጅኡ ብዝሓለወ መገዲ ይዛዘም ከምዘሎ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ከንቲባ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ፥ ህንፀት ማእኸል ኮንቬንሽን ኢንተርናሽናል ኣዲስ ዓለም ለኸ ደረጅኡ ብዝሓለወ መገዲ ይዛዘም ከምዘሎ ገሊፀን። እተን ከንቲባ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየአን ኣብ ዘመሓላለፍኡ መልእኽቲ፥ ስሉጥ ለውጢ ኢትዮጵያ…