Fana: At a Speed of Life!
Browsing Tag

ዝተመረፁ

መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብዓመት ልዕሊ 20 ሚሊየን ዓማዊል እናጓዓዓዘ ይርከብ – ኣይተ መስፍን ጣሰው

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 መጋቢት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ልዕሊ 150 ዘበናዊ ኣውሮፕላናት ብመሓዝ ብዓመት ልዕሊ 20 ሚሊየን ዓማዊል እናጓዓዓዘ ይርከብ ኢሎም ዋና ፈፃሚ ስራሕ ግሩፕ እቲ መገዲ ኣየር ኣይተ መስፍን ጣሰው፡፡ እቶም ዋና ፈፃሚ ስራሕ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ 80 ዓመት…

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ሽመት ሌ/ጄ ታደሰ ወረደ ንሓደ ዓመት ኣናዊሖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 መጋቢት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ካብ 1 ሚያዚያ 2018 ዓ.ም ጀሚሩ ሽመት ርእሰ ምምሕዳር ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ሌ/ጄ ታደሰ ወረደ ንሓደ ዓመት ኣናዊሖም፡፡ ብሕገ መንግስቲ ፌዴሪኢ ዓንቀፅ 62(9)ን ኣዋጅ ቁፅሪ 359/1995…

ትካላት ልምዓት መንግስቲ ኢትዮጵያ ሸኽሚ በጀት ካብ ምዃን ናብ መንቀሳቐስቲ ፈጠራ ዕድል ስራሕ ተሰጋጊረን – ባንኪ ዓለም

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 መጋቢት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ባንኪ ዓለም ኣብ ኢትዮጵያ ትካላት ልምዓት መንግስቲ ኢትዮጵያ ሸኽሚ በጀት ካብ ምዃን ናብ መንቀሳቐስቲ ፈጠራ ዕድል ስራሕ ይሰጋገራ ኣለዋ ኢሉ፡፡ እቲ ባንኩ ߵሸኽሚ በጀት ካብ ምዃን ክሳብ ኣንቀሳቐስቲ ዕድል ስራሕ፤ ስግግር ትካላት ልምዓት…

ህዝባዊ ወገናዊነት ዘለዎን ልኡኽቶ ብብቕዓት ዝዋፃእ ሓይሊ ፖሊስ ተሃኒፁ – ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 መጋቢት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ሪፎርም ዘፈር ፀፅታ ብሕጊ ጥራሕ ዝሰርሕ፣ ህዝባዊ ወገናዊነት ዘለዎን ልኡኽቶ ብብቕዓት ዝዋፃእ ሓይሊ ፖሊስ ተሃኒፁ ኢሎም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ። መበል 20 ጉባኤ ኮሚሽነራት ፖሊስ “ፖሊሳዊ ሓድነት ንዘላቒ ሰላም” ብዝብል…

ፕሬዚዳንት ታዬ ብሕልፈት ኣምባሳደር ቆንጂት ስነ ጊዮርጊስ ዝተሰመዖም ሓዘን ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 መጋቢት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀ ስላሴ ብሕልፈት ኣምባሳደር ቆንጂት ስነጊዮርጊስ ዝተሰመዖም ሓዘን ገሊፆም። እቶም ፕሬዚዳንት ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፆም ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ ሓዘን÷ ኣምባሳደር ቆንጂት ስነጊዮርጊስ ብምሕላፈን መሪር ሓዘን ተሰሚዑኒ…

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ብሕልፈት ኣምባሳደር ቆንጂት ስነ ጊዮርጊስ ዝተሰመዖም ሓዘን ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 መጋቢት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ብሕልፈት ኣምባሳደር ቆንጂት ስነ ጊዮርጊስ ዝተሰመዖም ሓዘን ገሊፆም፡፡ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፆም ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ÷ ልዕሊ ፍርቂ ክፍለ ዘበን ንኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲ…

መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ካብ ንግዲ ወፃኢ ትረኽቦ ኣታዊ አዕቢዩ ኢዩ – ኣይተ ኣህመድ ሺዴ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 መጋቢት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ካብ ንግዲ ወፃኢ ትረኽቦ ኣታዊ አዕቢዩ ኢዩ ኢሎም ሚኒስትር ገንዘብ ኣይተ ኣህመድ ሺዴ፡፡ እቶም ሚኒስቴር ምስ መዳርግቲ ኣካላት ብምዃን ኣብ ፀብፃብ ማክሮ ኢኮኖሚን ዝተዋደደ መመሓየሺን 18 ኣዋርሕ እናተዛተየ…

ሌ/ጄኔራል ታደሰ ወረደ ዓመታዊ ፀብፃብ ኣፈፃፅማ ንቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ኣቕሪቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 መጋቢት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ርእሰ ምምሕዳር ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ሌ/ጄኔራል ታደሰ ወረደ ዓመታዊ ፀብፃብ ኣፈፃፅማ ንቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣቕሪቦም፡፡ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ሎሚ ንጉሆ ብርእሰ ምምሕዳር ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ሌ/ጄኔራል…

ሓደገኛ ዘይሕጋዊ ኣዘዋዋሪ ሰባት ይትባረክ ዳዊት ምስ መሻርኽቱ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 መጋቢት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ፖሊስ ፌደራል ኢትዮጵያ ብብርኪ ዓለም እናተደለየ ዝነበረ ሓደገኛ ዘይሕጋዊ ኣዘዋዋሪ ሰባት ይትባረክ ዳዊት (ክብሮም) ምስ መሻርኽቱ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ኣውዒሉ፡፡ ልዕሊ 3 ሺሕ ሰባት ብዘይሕጋዊ መገዲ ብምዝውዋር፣ ልዕሊ 100 ሰባት ንሞት ዘቃለዐን…

39 ኣባል ሃገራት ዝተሳተፋሉ ጉባኤ ዓቕሚ ስግኣት ሓደጋ ኣፍሪካ ኣብ ዝቕፅል ረቡዕ ጀሚሩ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክካየድ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 መጋቢት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)39 ኣባል ሃገራት ዝተሳተፋሉ ጉባኤ ዓቕሚ ስግኣት ሓደጋ ኣፍሪካ (ARC-COP 16) ኣብ ዝቕፅል ረቡዕ ጀሚሩ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክካየድ ኢዩ፡፡ ኮሚሽን ኣመራርሓ ስራሕ ስግኣት ሓደጋ እቲ ጉባኤ ብኣሳናዳእነት ኢትዮጵያ ካብ 30 መጋቢት 30 ክሳብ…