Fana: At a Speed of Life!
Yearly Archives

2026

ብሃይለ ቃል ተጀሚሩ ብሓሃይሊ ስጉምቲ ዝዛዘም ባህሊ ፖለቲካ ንመወዳእታ እዋን ከትርፍ ይግባእ – ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሓምለ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ ወናኒት ብዙሕ ታሪኽን ብዙሓት ስልጣነታትን ትኹን እምበር ፖለቲካና ብሓይለ ቃል ተጀሚሩ ብሓይሊ ስጉምቲ ምድምዳሙ ቀንዲ ስብራትና ኢዩ ኢሎም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)፡፡ መርሃ ግብሪ መጀመሪ ሃገራዊ ጉባኤ ዘተ ኢትዮጵያ ቀዳማይ…

ንዝሓደረ ቁስሊ ብምዝታይ ዝፍውስ መድረኽ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሓምለ 2018 (ኤፍ.ኤም.ሲ)ሓቀኛ ዘተ ኣብ ድሕሪ ዝንገሩ ቃላት ዘለዉ ስምዒታት ምርዳእ፣ ብዕምቆት ምስማዕ ከምኡ ‘ውን ኣብ ሓባራዊ ጉዳይ ተመስሪትካ ምዝርራብ ይሓትት። ዜጋታት ኣብ ጉዳይ ረብሓ ሃገር ብሓባር ክቖሙ ዝኽእሉ ሓሳቦም ዋጋ ከም ዘለዎ ምስ ኣመኑ፣…

መርሃ ግብሪ መጀመሪ ሃገራዊ ጉባኤ ዘተ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ኣብ ዝተረኸቡሉ ምክያድ ጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሓምለ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ዝተረኸቡሉ መርሃ ግብሪ መጀመሪ ሃገራዊ ጉባኤ ዘተ ሎሚ መዓልቲ ብዕሊ ምክያድ ጀሚሩ፡፡ እዚ ታሪኻዊ መድረክ ኢትዮጵያ ኣብ ሞንጎ ህዝባ ብዝፍጠር ዘላቒ ምርድዳእን ሓበራዊ ብሄራዊ ያታን ንኽትህነፅ ዘኽእል…

ሃገራዊ ዘተ ኣብ ኢትዮጵያ ዘላቒ ሰላምን ሓድነትን ንምፍፃር ወሳኒ ቁልፊ ኢዩ፡፡

ሃገራዊ ዘተ ኣብ ኢትዮጵያ ዘላቒ ሰላምን ሓድነትን ንምፍፃር ወሳኒ ቁልፊ ኢዩ፡፡ ኣብ ሞንጎ ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊን ማሕበራዊን ኣመለኻኽታታት ዝፍጠሩ ኣፋላላያት ብጠበንጃ ዘይኮነስ ብምድምማፅን ብልዝብን ዝፍቱሑሉ መገዲ ዘመቻቹ ኢዩ፡፡ እዚ ከይዲ ኢትዮጵያ ብህዝባ ኣብ ምርድዳእ ዝተመስረተት…

ፅባሕ ዝመር ሃገራዊ ጉባኤ ዘተ ብዓወት ንምክያድ ዝተማለአ ምድላው ተገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ሓምለ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ፅባሕ ዝጅመር ሃገራዊ ጉባኤ ዘተ ብዓወት ንምክያድ ዝተማለአ ምድላው ተገይሩ ኢሎም ዋና ኮሚሽነር ኮሚሽን ሃገራዊ ዘተ መስፍን ኣርኣያ (ፕ/ር)፡፡ ማርቺንግ ባንድ ምክልኻል ድሮ ሃገራዊ ጉባኤ ዘተ ምኽንያት ብምግባር ኣብ ዝተፈላለዩ ኣደባባያትን…

ኣይተ ኣሕመድ ሺዴ ምስ ማኔጂንግ ዳይሬክተር ኦፕሬሽን ባንኪ ዓለም ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ሓምለ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ሚኒስትር ገንዘብ ኣይተ ኣሕመድ ሺዴ ምስ ማኔጂንግ ዳይሬክተር ኦፕሬሽን ባንኪ ዓለም ኣና ቤርዴ ተዛቲዮም፡፡ እቶም ሚኒስትር ኣብቲ እዋን ቀፃነት ዘለዎ ምንቅስቓስ ሪፎርም ኢትዮጵያን ኣንፈት ትኹረት መንግስቲን ብዝምልከት ነተን ማኔጂንግ ዳይሬክተር…

ሎሚ መዓልቲ ተኸላ ፈልሲ ሓምለዋይ ኣሰር ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኤኣይ ኣካይድና – ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ሓምለ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ሎሚ መዓልቲ ምስ ኣመራርሓን ሰራሕተኛታትን ቤት ፅሕፈት ከንቲባ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኤኣይ ተኸላ ፈልሲ ሓምለዋይ ኣሰር ኣካይድና ኢለን፡፡ “ተስፋ ንትከል” ብዝብል መሪሕ ቃል እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ መርሃ…

ታሪኻዊ ጉዕዞ ሓዱሽ ምዕራፍ …

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ሓምለ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ ንዘበናት ዝፀንሑ ፖለቲካዊ፣ ኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊን ክፍተታት ብዘላቕነት ንምፍታሕ ኣብ ታሪኻ ልዑል ዝኾነ ከይዲ ሃገራዊ ዘተ እናወገነት ትርከብ። ኮሚሽን ሃገራዊ ዘተ ኢትዮጵያ ካብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ማሕበረሰብ ኣጀንዳታት እናተኣኻኸበ…

ኣብ ድሮ ዓብዪ ዓወት ትርከብ ኢትዮጵያ …

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ሓምለ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ኢትዮጵያ ብሰላማዊ ዘተን ሃገራዊ ምርድዳእን ፀገማት ንምፍታሕ ኣብ ጉዕዞ ሃገራዊ ምኽክር ትርከብ። ኢትዮጵያ ዝጀመረቶ ከይዲ ሃገራዊ ምኽክር ካብ ምእካብ ድምፂ ህዝቢ ናብ ተግባራዊ ፖሊሲን ሃገራዊ ምርድዳእን ለበዋታት ዝሰጋገር ወሳኒ ምዕራፍ በፂሑ…

ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ክልተ ረቀቕቲ ኣዋጃት ስምምዕነት ልቓሕ ኣፅዲቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ሓምለ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ሎሚ ዓልቲ ኣብ ዘካየዶ ህፁፅ ኣኼባ ክልተ ረቀቕቲ ኣዋጃት ስምምዕነት ልቓሕ ብምምርማር ኣፅዲቑ፡፡ 6ይ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ 5ይ ዓመት ዘበን ስራሕ 2ይ ህፁፅ ኣኼባኡ ኣካይዱ። እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን መንግስቲ…