Browsing Category
ዜናታት ውሽጢ ዓዲ
ም/ከንቲባ ወይዘሮ ኣዳነች ኣበቤን ኣይተ ተስፋየ በልጅጌን ኣብ ኣዲስ ኣበባ እናተሃነፁ ኣብ ዝርከቡ ፕሮጀክትታት ዑደት ኣሳሊጦም
ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ምክትል ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ወይዘሮ ኣዳነች ኣበቤን ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ፓርቲ ብልፅግና ኣዲስ ኣበባ ኣይተ ተስፋየ በልጅጌን ኣብ ኣዲስ ኣበባ እናተሃነፁ ኣብ ዝርከቡ ዓበይቲ ፕሮጀክትታት ተረኺቦም ዑደት ኣሳሊጦም።
እቶም ሓለፍቲ ኣብ…
ኣይተ ሽመልስ ብክላስተር ኣብ ዝተሓረሰ ሕርሻ መሬት ዑደት ኣካይዶም
ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ብርእሰ ምምሕዳር ክልል ኦሮሚያ ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳ ዝተመርሐ ልኡኽ ኣብ ዞባ ምዕራብ ኣርሲ ወረዳ ሸሸመኔ ብክላስተር ኣብ ዝተሓረሰ ዝራእቲ ሕርሻ ምሸላ ባሕሪ ዑደት ገይሮም።
እቶም ብክላስተር እናሓረሱ ዝርከቡ ሓረስቶት ቅድሚ ሕዚ ብዝተበታተነ…
ኣብ ኢትዮጵያ ብቫይረስ ኮሮና ዝተለኸፉ ተወሰኽቲ 1 ሺሕን 778 ሰባት እንትርከቡ 20 ሰባት ድማ ህይወቶም ስኢኖም
ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ነሓሰ፣ 2012(ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ትማሊ ኣብ ልዕሊ 21 ሺሕን 456 ሰባት ብዝተገበረ ምርመራ ላቦራቶሪ ብቫይረስ ኮሮና ዝተተሓዙ ተወሰኽቲ 1 ሺሕን 778 ሰባት ከምዝተረኸቡ ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ።
ብመሰረት እዚ ኣብ ኢትዮጵያ በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ቁፅሮም 35…
ኣብ ትግራይ ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ብዝተገበረ ምርመራ ላብራቶሪ 133 ወገናት ቫይረስኮሮና ተረኺብዎም
ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ. ቢ.ሲ)ኣብ ተግራይ ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ውሽጢ 1 ሺሐን 553 ሰባት ምርመራ ላብራቶሪ ዝገበሩ እንትኾኑ 133 ወገናት ቫይረስ ኮሮና ከምዝተረኸቦም ቢሮ ጥዕና ክልል ትግራይ ገሊፁ።
ብሓፈሻ ክሳብ ሕዚ ኣብ ትግራይ 38 ሺሕን 185…
ኣብ ትግራይ ኣብ ቀረባ እዋን ህይወቶም ንዝሓለፉ ሰብ ሞያ ጥዕና ሎሚ መዓልቲ ስነ-ስርዓት ዝኽሪ ተሳሊጡ
ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ. ቢ.ሲ)ኣብ ምምሕያሽ ስርዓት ጥዕና ትግራይ ልዑል ተሳትፎ ዝነበሮም ኣብ ቐረባ እዋን ብመስዋእቲ ንዝተፈዩ ሰብ ሞያ ጥዕና፥ ዶ/ር ፒተር ባያንስ፣ ዶ/ር ፍስሃየ ኣለምሰገድን ዶ/ር በለጠ ኣሰፋን ዝምልከት ስነ-ስርዓት ዝኽሪ ሎሚ መዓልቲ ተሳሊጡ።
ኣብቲ…
ኣርቲስት ሃጫሉ እንትቕተል ምስኡ ዝነበረት ላምሮት ከማል ሎሚ መዓልቲ ቤት ፍርዲ ቀሪባ
ኣዲስ ኣበባ ፣ 14 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ. ቢ.ሲ)22 ሰነ 2012 ዓ.ም ምሸት ኣስታት 3 ሰዓት ኣብ ከባቢ ገላን ኮንዶሚኒየም ኣርቲስት ሃጫሉ ሁንዴሳ እንትቕተል ምስኡ ዝነበረት ላምሮት ከማል ሎሚ መዓልቲ ቤት ፍርዲ ቀሪባ።
መርማሪ ፖሊስ እታ ውልቀ ሰብ ምስ ቅትለት ኣርቲሰት ሃጫሉ ርክብ ኣለዋ…
ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኣርማ ናፅነት ኢዩ-ቀ/ሚ ኣቢይ
ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ. ቢ.ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኣርማ ናፅነት ኢዩ ክብሉ ገሊፆም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ነዚ ዝበሉ ኣባላት ቦርድ ህንፀት ግድብ ህዳሰን ሓለፍቲ ስራሕ ፕሮጀክትን ኣብ ዝተረኸብሉ ኣብ ዝቐረበ ፀብፃብ ኢዩ።…
ሎሚ ንጎሆ ኣብ ከተማ ሻሸመኔ ኣብ ልዕሊ ኣካላት ፀፅታ ቡምባ ዝወርወረ ኣባል ኦነግ ሸኔ ስጉምቲ ከምዝወሰደሉ ፖሊስ ኣፍሊጡ
ኣዲስ ኣበባ ፣ 14 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ሎሚ ንጎሆ ኣብ ከተማ ሻሸመኔ ስራሕቲ ፀፅታ ውሽጢ ንውሽጢ ኣብ ልዕሊ ዝሰርሑ ዝነበሩ ኣካላት ፀፅታ ቡምባ ዝወርወረ ኣባል ኦነግ ሸኔ ስጉምቲ ከምዝወሰደሉ ፖሊስ ኣፍሊጡ።
ሎሚ ንጎሆ ኣስታት ሓደ ሰዓትን ፈረቓን ኣብ ከተማ ሻሸመኔ ቀበሌ 01 ወይ…
ድሕንነት ሃገር ኣብ ሓደጋ ብምእታውን ሚስጢር ድሕንነት መንግስቲ ንጉጅለ ግብረ ራዕዲ ኣሕሊፎም ብምሃብን ገበን ዝተጠርጠሩ ውልቀሰባት ቤት ፍርዲ ቀሪቦም
ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ድሕንነት ሃገር ኣብ ሓደጋ ብምእታውን ሚስጢር ድሕንነት መንግስቲ ንጉጅለ ግብረ ራዕዲ ኣሕሊፎም ብምሃብን ገበን ዝተጠርጠሩ ሓሙሽተ ውልቀሰባት ትማሊ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም።
እቶም ተጠርጠርቲ፥ ነበር ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ህወሓት ኣዲስ ኣበባ ኣይተ…
ብመስመር ሑመራ ኣቢሉ ብዘይሕጋዊ መገዲ ካብ ሃገር ንምውፃእ ዝተፈተነ ልዕሊ 449 ሺሕ ዶላር ተታሒዙ
ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ብመስመር ሑመራ ኣቢሉ ብዘይሕጋዊ መገዲ ካብ ሃገር ንምውፃእ ዝተፈተነ ልዕሊ 449 ሺሕ ዶላር ኣሜሪካ ከምዝተትሓዘ ሚኒስቴር እቶት ኣፍሊጡ።
እቲ ገንዘብ ዜግነት ኢትዮጵያ ብዘለዎም ሰለስተ ውልቀ ሰባት ንምውፃእ ከምዝተፈተነ ተገሊፁ።
እቲ 17…