Fana: At a Speed of Life!
Browsing Category

ዜናታት ውሽጢ ዓዲ

ኣይተ ኣደም ፋራህ ምስ ኣምባሳደር ቻይና ኣብ ኢትዮጵያ ዘቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ምክትል ፕሬዚዳንት ፓርቲ ብልፅግና ኣይተ ኣደም ፋራህ ምስ ኣምባሳደር ቻይና ኣብ ኢትዮጵያ ዣዎ ዢዋን ዘቲዮም። ኣብቲ ዘተ፥ ሓበራዊ ተረባሕነት ንምስፋሕ፣ ዲፕሎማሲያዊ ርክብ እተን ሃገራት ኣብ ምጥንኻርን ኣማራፅታት ኢንቨስትመንት ኣብ ምስፋሕን…

ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ንህንፀት ኢንዱስትሪ መገጣጠሚን መፍረይን ተሽከርከርቲ ዝኸውን እምነ ኩርናዕ ኣንቢሮም

ኣዲስ ኣበባ፣ ሚያዝያ 11፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ላዕለዋይ ኢታማዦር ሹም ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ንህንፀት ኢንዱስትሪ መገጣጠሚን መፍረይን ተሽከርከርቲ ዝኸውን እምነ ኩርናዕ ኣንቢሮም። ህንፀት እቲ ኢንዱስትሪ ንሃገርን ነቲ ትካልን ዝህቦ ረብሓ ልዑል ኢዩ ኢሎም።…

ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ኣብ ዓውደ ምርኢት ስታርት ኣፕ ዑደት ገይሮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ኣብ ሳይንስ ሙዝየም ዝተኸፈተ ዓውደ ምርኢት ስታርት ኣፕ ዑደት ገይሮም። ኣብቲ ዑደት ካብ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ብተወሳኺ ዋና ዳይሬክተር ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ወርቁ ጋቸና ተረኺቦም።…

ፀገማት ዞባ ማእኸላይ ምብራቕ ንኽፍትሑ ኢትዮጵያ ምስ ዓለም ለኸ ትካላት ብምትሕብባር ክትሰርሕ ኢያ –  ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ

ኣዲስ ኣበባ፤ 11 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ፀገማት ዞባ ማእኸላይ ምብራቕ ንኽፍትሑ ምስ ፈተውቲ ሃገራትን ዓለም ለኸ ትካላትን ብምትሕብባር ከምትሰርሕ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣፍሊጡ። ሚኒስትር ዴኤታ ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ምስጋኑ ኣርጋ÷ “ተለዋዋጢ ኣብ ዝኾነ ዓለም ኢትዮጵያ…

ምምሕዳራዊ ፍትሒ እምነ ኩርናዕ ማሕበራዊ ፍትሒ ኢዩ-ኣፈ ጉባኤ ታገሰ ጫፎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ምምሕዳራዊ ፍትሒ እምነ ኩርናዕ ማሕበራዊ ፍትሒ ኢዩ ክብሉ ኣፈ ጉባኤ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ ታገሰ ጫፎ ገሊፆም። እቶም ኣፈ ጉባኤ ነዚ ዝበሉ ሚኒስትር ፍትሒ ዘሰናደኦ ኣብ ኣዋጅ ስነ ስርዓት ምምሕዳርን ፖሊሲ ሽግግር ፍትሒን ኣብ ዝተሳለጠ…

ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ብሕልፈት ህይወት ላዕለዋይ ኣዛዚ ሰራዊት ኬኒያ ዝተሰመዖም ሓዘን ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ላዕለዋይ ኢታማዦር ሹም ሰራዊት ምክልኻል ፌዴሪኢ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ብሕልፈት ህይወት ላዕለዋይ ኣዛዚ ሰራዊት ኬኒያ ጀኔራል ፍራንሲስ ኦሞንዲ ኦጎላን ዝተሰመዖም ሓዘን ገሊፆም። ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ፥ ጀኔራል ፍራንሲስ ኦሞንዲ ኦጎላ…

ኣብ ዝተመሓሸ ፖሊሲ ኣፍረይቲ ኢንዱስትሪ ዝጠመተ መድረኽ መፍጠሪ ግንዛበ ይካየድ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝተመሓሸ ፖሊሲ ኣፍረይቲ ኢንዱስትሪ ዝጠመተ መድረኽ መፍጠሪ ግንዛበ ይካየድ ኣሎ። ኣብቲ መድረኽ ሚኒስትር ኢንዱስትሪ መላኩ ኣለበል ሓዊሱ ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መዳርግቲ ኣካላትን ተረኺቦም፡፡ ዝተመሓሸ ፖሊሲ ኣፍረይቲ ኢንዱስትሪ…

ኣብ ኣዲስ ኣበባ መርሃ ግብሪ መጀመሪ ጉስጓስ ምክልኻል ብኽለት ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ብምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ መርሃ ግብሪ መጀመሪ ጉስጓስ ምክልኻል ብኽለት ኣብ ዝኽሪ ዓወት ዓድዋ ይሳለጥ ኣሎ። እቲ መድረኽ፥ “ብኽለት ይኣክል ፅባቐ ይረጋገፅ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኢዩ ዝሳለጥ ዘሎ። ከንቲባ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች…

ኣብ ጂዳን ከባቢኣን ዘለዉ ኢትዮጵያዊያን ምስ ሰነድ ጉዕዞን ፓስፖርትን ተዛሚዱ ዘለዎም ፀገም ንምቕራፍ ዘኽአል ዘተ ተሳሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ጂዳን ከባቢኣን ዘለዉ ኢትዮጵያዊያን ምስ ሰነድ ጉዕዞን ፓስፖርትን ተዛሚዱ ዘለዎም ፀገም ንምቕራፍ ዘኽአል ዘተ ተሳሊጡ። ብዋና ዳይሬክተር ኢሚግሬሽንን ኣገልግሎት ዜግነትን ሰላማዊት ዳዊት ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ ምስ ተወከልቲ ካብ ዝተፈላለዩ…

ኤሌክትሪክ ናይ ምክፍፋል ስራሕ ዓብዪ ኣካል ብምዃኑ እቲ ዓውዲ ሙሉእ ንሙሉእ ደገፍ ክግበረሉ ይግባእ-ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ(ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኤሌክትሪክ ናይ ምክፍፋል ስራሕ ዓብዪ ኣካል ብምዃኑ እቲ ዓውዲ ሙሉእ ንሙሉእ ደገፍ ክግበረሉ ይግባእ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊፆም። እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ምስ ሚኒስትራት ስራሕን ክእለትን፣ ምክልኻል ሃገር፣ ኢንዱስትሪን…