Fana: At a Speed of Life!
Browsing Category

ዜናታት ውሽጢ ዓዲ

ዝተኣጓጎለ ክረምታዊ ትምህርቲ ኣብ ቀረባ እዋን መዕለቢ ክረክብ ኢዩ – ሚኒስቴር ትምህርቲ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ዝተኣጓጎለ ክረምታዊ ትምህርቲ ኣብ ቀረባ እዋን መዕለቢ ከምዝወሃቦ ሚኒስቴር ትምህርቲ ኣፍሊጡ። ብኮቪድ፣ ፈተና 12 ክፍሊን ኣካዳሚ ካላንደርን ንምጥዕዓም ብዝብል ዝተቛረፀ ትምህርቲ ኣብ ቀፃሊ ዕጫኡ እንታይ ኢዩ?" ብዝብል ሕቶታት እናቐረቡ ፀኒሖም…

ቀንዲ ጠመተና ህልውናን ድሕንነትን ህዝቢ ትግራይ ምርግጋፅ ኢዩ-ኣይተ ጌታቸው ረዳ

ኣዲስ ኣበባ፣ 04 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ርእሰ ምምሕዳር ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ኣብ ህልው እዋናዊ ጉዳያት ዝጠመተ መግለፂ ሎሚ መዓልቲ ሂቦም። ኣይተ ጌታቸው ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፥ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ንዝሓለፉ 10 ኣዋርሕ ዝዓመሞም ዕማማትን ብርኪ ትግበራ…

ስርዓተ ምግቢ ማሕበረሰብ ንምምሕያሽ ፕሮጀክት 70 ሚሊየን ዶላር ተኸቲሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ስርዓተ ምግቢ ማሕበረሰብ ንምምሕያሽ ኣብ ሞንጎ ሚኒስቴር ጥዕናን ትካል ተራድኦ ኣሜሪካ (ዩኤስኤይድ)ን ስምምዕነት ፕሮጀክት 70 ሚሊየን ዶላር ተኸቲሙ። እቲ ፕሮጀክት ስምምዕነት ኣብ ኢትዮጵያ ስርዓተ ምግቢ ደቂ ኣንስትዮ፣ ህፃናትን…

ብ250 ሚሊየን ብር ዝተሃነፀ መፍረዪ ፋብሪካ እታወታት ህንፀት ተመሪቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ከተማ ድሬዳዋ ብ250 ሚሊየን ብር ዝተሃነፀ መፍረዪ ፋብሪካ እታወታት ህንፀት ተመሪቑ። እቲ ፋብሪካ ኣብ ሰዓት ልዕሊ 220 ቶን መፍረዪ እታወታት ህንፀት ናይ ምፍራይ ዓቕሚ ከምዘለዎ ተገሊፁ። ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ድሬዳዋ ከድር ጁሃር…

ኮሌጅ ጥዕና ዩኒቨርስቲ ዓዲግራት ወፍሪ መጥባሕቲ ዓይኒ ሞራ ከካይድ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 04 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኮሌጅ ጥዕና ዩኒቨርስቲ ዓዲግራት ወፍሪ መጥባሕቲ ዓይኒ ሞራ ኣብ ሓፈሻዊ ሆስፒታል ዓዲግራት ከምዘካየድ ኣፍሊጡ። እቲ ሕክምና መጥባሕቲ ምስ ቢሮ ጥዕና ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይን ኣልባሳር ፋውንዴሽን ዝተብሃለ ትካልን ብምትሕብባር ከምዝካየድ…

ስብራት ዓውዲ ሕርሻና ንምፅጋን ዝጀመርናዮ ጉዕዞ ውፅኢታዊ ይኸውን ኣሎ-ቀ/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 04 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ወሓዚ ሩባ ዋቢ ሸበሌ ብምጥቃም ኣብ ክልል ሶማሌ ዞባ ሸበሌ ወረዳ ቤርዓኖ ዝስራሕ ዘሎ ስራሕቲ መስኖ ሕርሻ ሎሚ መዓልቲ ዑደት ገይሮም። እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየኦም ኣብ ዘመሓላለፍዎ…

ምክትል ቀ/ሚ ተመስገን ምስ ላዕለዎት ኣመራርሓ ክልል ኣምሓራ ይዛተዩ ኣለዉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 04 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ምስ ላዕለዎት ኣመራርሓ ክልል ኣምሓራ ይዛተዩ ኣለዉ። እቲ ዘተ ኣብ ጉዳያት ልምዓትን ሰላምን ጠመተ ዝገበረ ኢዩ ተባሂሉ። ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኢትዮጵያ ኣብ ዝተሳለጡ ህዝባዊ ዘተታት ደልየት ህዝቢ…

ሙዚየም ዝኽሪ ዓወት ዓድዋ ካብ ፅባሕ ጀሚሩ ንዑደተኛታት ክፍቲ ክኸውን ኢዩ ተባሂሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 04 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከበባ ፒያሳ ዝተሃነፀ ሙዚየም ዝኽሪ ዓወት ዓድዋ ካብ ፅባሕ ጀሚሩ ንዑደተኛታት ክፍቲ ክኸውን ኢዩ ተባሂሉ። ከንቲባ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣበቤ ኣብ ዘመሓላለፍኡ መልእኽቲ፥  ዓወት ዓድዋ ዝኽሪ ኩላትና ኢዩ፤ ናብቲ ሙዚየም…

ኣብ ትግራይ ን20 መዓልቲ ዝፀንሕ ነፃ ወፍሪ ዕቀባ ሓመድን ማይን ሎሚ መዓልቲ ተጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 04 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ትግራይ ብብርኪ ክልል ን20 መዓልቲ ዝፀንሕ ነፃ ወፍሪ ዕቀባ ሓመድን ማይን ሎሚ መዓልቲ ተጀሚሩ። እቲ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝተፈላለያ ዞባታት ተጀሚሩ ዘሎ ወፍሪ ዕቀባ ሓመድን ማይን፥ “ወፍሪ ዕቀባ ሓመድን ማይን ንዘላቒ ቁጠባዊ ውሕስናና!”…

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) መዕርፎ ነፈርቲ ጎዴ ኡጋዝ ሚራድ መሪቖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ክልል ሶማሌ ከተማ ጉዴ ዝተሃነፀ ሓዱሽ መዕርፎ ነፈርቲ ጎዴ ኡጋዝ ሚራድ ብምምራቕ ንኣገልግሎት ክፍቲ ገይሮም። እቲ ሓዱሽ ተርሚናል መተኣናገዲ ተጓዓዝቲን መዕርፎ ነፈርቲን ፍትሓዊ ተበፃሕነት ልምዓት…