Fana: At a Speed of Life!
Browsing Category

ዜናታት ውሽጢ ዓዲ

መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ቱርኪን ሶሪያን ናብ ዝግበር ሰብኣዊ ሓገዝ ናይ ምጉዕዓዝ ከይዲ ተፀንቢሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ለካቲት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ቱርኪን ሶሪያን ብሰንኪ ዘጋጠመ ምንቅጥቃጥ መሬት ጉድኣት ንዘጋጠሞም ዜጋታት ዝግበር ሰብኣዊ ሓገዝ ናይ ምጉዕዓዝ ከይዲ ተፀንቢሩ። ብመሰረት እዚ ናይ ፅዕነት ኣውሮፕላን እቲ መገዲ ኣየር፥ ካብ ሜክሲኮ ንዝተገበረ 100 ቶን…

ኣይተ ደመቀ መኮንን ምስ ምክትል ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ጃፓን ዘቲዮም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 10 ለካቲት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮንን ምስ ምክትል ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ጃፓን ታካጊ ኬይ ዘቲዮም። ኣብቲ ዘተ ክልቲአን ሃገራት ብዓውዲ ትምህርቲን ጥዕናን ዘለወን ምትሕበባር ክብ ንምባል ኣብ ዘኽእል ዛዕባ…

ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ምስ ዩንቨርስቲ ኦዳ ቡልቱም ሰነድ ስምምዕነት ከቲሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ለካቲት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ምስ ዩንቨርስቲ ኦዳ ቡልቱም ሰነድ ስምምዕነት ከቲሙ። እተን ትካላት ፅርየቱ ዝሓለወ፣ ብባህጊ ኢንዱስትሪታት ዝቃነ ትምህርቲን ስልጠናን ንምሃብ፣ በፍልጠት፣ ክእለት፣ ኣረኣእያን ሙያዊ ስነ ምግባርን ብቑዕ ዝኾኑ ሰብ ሙያ…

ፕሬዚዳንት ሞዛምቢክ ፋሊፔ ኒዪሲ ኣዲስ ኣበባ ኣቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ለካቲት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሬዚዳንት ሞዛምቢክ ፋሊፔ ኒዪሲ ኣብ መበል 36 ገባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ንምስታፍ ኣዲስ ኣበባ ኣቲዮም። እቶም ፕሬዚዳነት ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ እንትበፅሑ ሚኒስትር መስኖን ከባቢታት ቆላን ኢንጂነር ኣይሻ መሓመድ፣ ሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስቴር…

ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ሙሳ ፋኪ ማሃማት ምስ ዋና ፀሓፊ ውሕመ ዘቲዮም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 10 ለካቲት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ሙሳ ፋኪ ማሃማት ምስ ዋና ፀሓፊ ውድብ ሕቡራት መንግስታት(ውሕመ) ኣንቶኒዮ ጉቴሬዝ ዘቲዮም። እቲ ዘተ ኣብ ጉዳያት ሰላምን ፀፅታን ኣፍሪካ ጠመተ ዝገበረ ኢዩ። ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ሙሳ…

ፕሬዚዳንት ኬንያ ዊሊያም ሩቶ ኣዲስ ኣበባ ኣቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ለካቲት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሬዚዳንት ኬንያ ዊሊያም ሩቶ ኣብ መበል 36 ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ንምስታፍ ኣዲስ ኣበባ ኣቲዮም። ኣብ መበል 36 ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ንምስታፍ መራሕቲ ዝተፈላለያ ሃገራት ናብ ኣዲስ ኣበባ ይኣትዉ ኣለዉ። ሎሚ መዓልቲ…

ኢትዮጵያ ኣብ ዓለም ለኸ መድረኽ ምትእኽኻብ ሃፍቲ ንትምህርቲ ተሳቲፋ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ለካቲት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ብብርኪ ዓለም ኣብ ዝተፀወዐ መድረኽ ምትእኽኻብ ሃፍቲ ንትምህርቲ ተሳቲፋ። ኣብቲ መድረኽ ዝተሳተፉ ሚኒስትር ትምህርቲ ብርሃኑ ነጋ፥ ሐልሚ 222 ሚሊየን ህፃናት ዕላዊ ንክኸውን ንሓግዝ ክብሉ ፃውዒት ኣቕሪቦም። “ኣብ ኣፀጋሚ ኩነታት…

ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ጉድኣት ንዘጋጠሙ መሰረተ ልምዓታት ማይ ንምፅጋን 3 ነጥቢ 2 ቢሊየን ብር ከምዘድሊ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ለካቲት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ትግራይ፣ ኣምሓራን ዓፋርን ጉድኣት ንዘጋጠሙ መሰረተ ልምዓታት ማይ ንምፅጋን 3 ነጥቢ 2 ቢሊየን ብር ከምዘድሊ ተገሊፁ። ሚኒስትር ማይን ኢነርጂን ሃብታሙ ኢተፋ፥  ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ብምኽኒያት ዝነበረ ጎንፂ ጉድኣት ዘጋጠሞም መሰረተ…

ዶ/ር ኣለሙ ስሜን ዶ/ር እዮብ ተካልኝን ምስ ሰብ ሃፍቲ ጅቡቲ ዘቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ለካቲት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን ኣለሙ ስሜብ ሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስቴር ገንዘብ እዮብ ተካልኝን ምስ ሰብ ሃፍቲ ጅቡቲ ዘቲዮም። ኣብቲ መድረኽ ዘተ፥ ሰብ ሃፍቲ ጅቡቲ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዘተለ ዝተፈላለዩ ዓውዲታት መዋእለ ንዋዮም ኢንቨስት ንምግባር…

መራሕቲ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣብ ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ንምስታፍ ናብ ኣዲስ ኣበባ የኣትዉ ኣለዉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ለካቲት፣ 2015(ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ መበል 36 ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ንምስታፍ መራሕቲ ዝተፈላለያ ሃገራት ናብ ኣዲስ ኣበባ የኣትዉ ኣለዉ። ምክትል ፕሬዚዳንት ሊቢያ ኣብዱላህ ኣል-ላፊ ኣብቲ ጉባኤ ንምስታፍ ሎሚ መዓልቲ ኣዲስ ኣበባ ኣቲዮም። እቶም ምክትል ፕሬዚዳንት ኣብ…