Fana: At a Speed of Life!

ፍሉጥ ተፃዋቲ መሳርሒ ሙዚቃ ክላርኔት ዳዊት ፍሬው ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈሊዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ፍሉጥ ተፃዋቲ መሳርሒ ሙዚቃ ክላርኔት ዳዊት ፍሬው ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈሊዩ። ኣብ ቀረባ እዋን ንስራሕ ናብ ሃገረ ጣሊያን ዝተጓዓዘ ተፃዋታይ መሳርሒ ሙዚቃ ክላርኔት ዳዊት ፍሬው÷ ኣብ ዝደቀሰሉ ክፍሊ ህይወቱ ሓሊፉ ከምዝተረኸበ ካብ ቀረባ ፈተውቱ…

ኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲ ጥዕና ዘለዋ ልምዲ ንሃገራት ኣፍሪካ ክተካፍል ተሓቲቱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲ ጥዕና ዘለዋ ልምዲን ሓይሊ ሰብን ንሃገራት ኣፍሪካ ክተካፍል ሲዲሲ ኣፍሪካ ሓቲቱ። ሚኒስትር ጥዕና ሊያ ታደሰ (ዶ/ር) ሓዱሽ ምስ ዝጸሶሙ ዋና ዳይሬክተር ሲዲሲ ኣፍሪካ ዢን ካሴያን (ዶ/ር) ተዛቲየን። ዋና ዳይሬክተር ሲዲሲ…

መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ካልኣይ ምዕራፍ መስፋሕፍሒ ሆቴል ስካይ ላይት ዛዚሙ የመርቕ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ካልኣይ ምዕራፍ መስፋሕፍሒ ሆቴል ስካይ ላይት ዛዚሙ የመርቕ ኣሎ። ኣብ መርሃ ግብሪ እቲ ምረቓ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ሓዊሱ ኣፈ ጉባኤ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ታገሰ ጫፎ፣ ኣመራርሓታት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያን ዝተፈላለዩ…

መበል 82 ዝኽሪ በዓል መዓልቲ ዓወት ሓርበኛታት ይኽበር ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ሚያዝያ ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)መበል 82 ዝኽሪ በዓል መዓልቲ ዓወት ሓርበኛታት ይኽበር ኣሎ። እቲ በዓል ኣራት ኪሎ ኣብ ዝርከብ ሓወልቲ ሓርበኛታት፤ "ሓድነት ንናፅነትን ዓወትን" ብዝብል መሪሕ ቃል ኢዩ ብዝተፈላለዩ መድላዋት እናተኸበረ ዝርከብ። ኣብ ኣከባብራ ስነ-ርዓት…

ቀ/ሚኒስትር ኣቢይ መዓልቲ ሓርበኛታት ምኽንያት ብምግባር መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ሚያዝያ ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ መዓልቲ ሓርበኛታት (በዓል ዓወት) ምኽንያት ብምግባር መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም። ሙሉእ ትሕዝቶ መልእኽቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ቀፂሉ ቀሪቡ ኣሎ፦ እንኳዕ ንመዓልቲ ሓርበኛታት (በዓል ዓወት)…

ኣብ ወረዳ ኡባ ደብረ ፀሃይ ብዘጋጠመ ሓደጋ ውሕጅ ህይወት 12 ሰባት ሓሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ሚያዝያ ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዞባ ጎፋ ወረዳ ኡባ ደብረ ፀሃይ ዝወቕዐ ከቢድ ዝናብ ዘስዐቦ ሓደጋ ውሕጅ ህይወት 12 ሰባት ከምዝሓለፈ ተገሊፁ። ሓላፊ መምርሒ ጉዳያት ኮሙኒኬሽን እቲ ዞባ ካሳሁን ኣባይነህ ከምዝገለፁዎ÷ በኣብ ከተማ ዛባ ትማሊ ምሸት ዝወቕዐ ከቢድ ዝናብ…

በዓል ዓወት ሃርበኛታት ምኽኒያት ብምግባር ፅባሕ መድፍዕ ክትኮስ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 26 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ፅባሕ ዝኽበር በዓል ዓወት ሃርበኛታት ምኽኒያት ብምግባር ንጎሆ መድፍዕ ከምዝትኮስ ዋና ዳይሮክቶሬት ህንፀት ስነ ልቦና ሚኒስቴር ምክልኻል ሃገር ኣፍሊጡ። እቲ ዋና ዳይሬክቶሬት ንፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝለኣኾ መግለፂ፥ ፅባሕ 27 ሚያዚያ 2015…

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ምስ ፍሉይ ልኡኽ ልኡላዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን ዘቲዮም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 26 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ምስ ፍሉይ ልኡኽ ልኡላዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን ዘቲዮም። እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየኦም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ኣብቲ ዘተ ተፃባእቲ ሓይሊታት ኣፈላላዮም ብዘተ ነክፈትሑ ፃውዒተይ ኣቕሪበ ኢሎም።…

መደረታት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ዝሰነዱ መፃሕፍቲ ዕላዊ ኮይኖም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 26 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)መደረታት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ዝሰነዱ መፃሕፍቲ ዕላዊ ኮይኖም። እቶም መፃሕፍቲ ክልተ እንትኾኑ፥ “ካብ መስከረም ክሳብ መስከረም” ን “ካብ መጋቢት ክሳብ መስከረምን” ዝብል ርእሲ ዘለዎም ኢዮም ተባሂሉ። ኣብ ዝሓለፉ ናይ ለውጢ…

ኣብ ትግራይ ኢንዱስትሪታት መሊስካ ናብ ስራሕ ንክኣትዋ ይስራሕ ከምዘሎ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ትግራይ ኢንዱስትሪታት መሊስካ ናብ ስራሕ ንክኣትዋ ይስራሕ  ከምዘሎ ምክትል ሓላፊ ቢሮ ኢንዱስትሪ ግዝያዊ ምምሕዳር እቲ ክልል ኣይተ መሓሪ ገብረሚካኤል ገሊፆም። ኣብዚ ሐዚ እዋን ንሰራሕተኛታት ናይ ሰለስተ ኣዋርሕ መሃያ ብምኽፋል ናብ…