Fana: At a Speed of Life!

ክታበት ንፍዮ ብብርኪ ሃገር ካብ 13 ታሕሳስ ጀሚሩ ክወሃብ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ታህሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ክታበት ንፍዮ ብብርኪ ሃገር ካብ 13 ታሕሳስ ጀሚሩ ክወሃብ ኢዩ። ብመሰረት እዚ ትሕቲ 5 ዓመት ህፃናት ንክኽተቡ ፃውዒት ቀሪቡ። ኣገልግሎት ኣቕርቦት መድሓኒት ኢትዮጵያ ምስ ሚኒስቴር ጥዕና ብምትሕብባር እቲ ክታበት ከመዝወሃብ ድማ ተገሊፁ።…

ውሕመ ንሃንደበታዊን ተገማቲን ሓደጋታት ዝኸውን ክሳብ ሐዚ 409 ሚሊየን ዶላር ከምዝኣከበ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ውድብ ሕቡራት መንግስታት(ውሕመ) ኣብ 2023 ንሃንደበታዊን ተገማቲን ሓደጋታት ዝኸውን ክሳብ ሐዚ 409 ሚሊየን ዶላር ከምዝኣከበ ኣፍሊጡ። “ደገፍ ንኹሉ ካብ ኩሉ” ብዝበል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ዝተዳለወ መተኣኻኸቢ እቶት ኢትዮጵያ ውፅኢታዊ ተሳትፎ…

ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣብ ዛምቢያ ጥቓ ሉሳካ 27 ኢትዮጵያውያን ህይወቶም ሓሊፉ ብዝብል ዝተጋወሐ ፀብፃብ ከፃሪ የፃሪ ኣለኹ ኢሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣብ ዛምቢያ ጥቓ ሉሳካ 27 ኢትዮጵያውያን ህይወቶም ሓሊፉ ብዝብል ዝተጋወሐ ፀብፃብ ከምዘፃሪ ኣፍሊጡ። እቲ ሚኒስቴር በቲ ዘጋጠመ ሓደጋ ዝተሰመዖ ሓዘን ገሊፁ፡፡ ካብዚ ብተወሳኺ ብዘይሕጋዊ ኣዘዋወርቲ ኣቢሉ ናብ ደቡብ…

መበል 12 ሰሙን ቤትኪንግ ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ሎሚ መዓልቲ ክካየድ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)መበል 12 ሰሙን ቤትኪንግ ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ስታዲየም ድሬዳዋ ክካየድ ኢዩ። ብመሰረት እዚ ቀትሪ ሰዓት 10 ጋንታ መቻል ምስ ጋንታ ወልቂጤ ከተማ ፀወተአን ዝገብራ እንትኾና÷ ሃዲያ ሆሳእና ምስ ኣዳማ ከተማ ሰዓት 1 ክፃወታ…

ንክልል ህዝቢታ ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያ ሓገዝ 150 ፓምፕታት መምጠጢ ማይ ተገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስቴር ልምዓት መስኖን ቆላማ ከባቢን ንኣገልግሎት ልምዓት መስኖ ዝውዕሉ 150 ፓምፕታት መምጠጢ ማይ ንክልል ህዝቢታ ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያ ሓገዝ ተገይሩ። እቲ ሃገዝ ሚኒስትር ልምዓት መስኖን ቆላማ ከባቢን ኢንጂነር ኣይሻ መሓመድ ንርእሰ ምምሕዳር…

ፍሪያት ኢትዮጵያ ካብ ቀረፅ ናፃ ናብ ዕዳጋ ቻይና ንክኣትዉ ምፍቃዱ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ፍሪያት ኢትዮጵያ ካብ ቀረፅ ናፃ ናብ ዕዳጋ ቻይና ንክኣትዉ ምፍቃዱ ሚኒስቴር ንግዲን ቀጣናዊ ምትእስሳርን ገሊፁ። ብሓፈሻዊ ነግዲ ካብ ዝንገደሎም 6 ሺሕን 422 ፍሪያታት እቲ 1 ሺሕን 644 ፍሪያታት ካብ ቀረፅን ኮታን ናፃ ምእታው ከመዝከኣል…

መከፋፈሊ ጣቢያ ሑመራ ኤሌክትሪክ ረኺቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ልዕሊ ክልተ ዓመት ኤሌክትሪክ ተቛሪፁዎ ዝፀንሐ መከፋፈሊ ጣቢያ ሑመራ ዳግም ኤሌክትሪክ ረኺቡ። 230 ኪሎ ሜትር መስመር ሑመራ - ሽረ፤ በዓል 230 ኪሎ ቮልት መስመር ተከዘ ፅገና ብምዝዛሙ ጣቢያ መከፋፈሊ ሑመራ ሓይሊ ክረክብ ከምዝኸኣለ ተገሊፁ፡፡…

ኣርቲስት ታሪኩ ብርሃኑ ( ባባ ) ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣርቲስት ታሪኩ ብርሃኑ ( ባባ ) ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልዩ። ኣርቲስት ብርሃኑ ብዝሓደሮ ሕማም ካብዛ ዓለም ብሞት ከምዝተፈለየ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ካብ ስድርኡ ኣረጋጊፁ፡፡ ኣርቲስት ታሪኩ ብርሃኑ÷ ልዕሊ 40 ዝኾኑ ፊልምታት ኣምሓርኛ…

ጉጅለ ዕጡቓት ቤሕነን ምስ መንግስቲ ክልል ቤኒሻንጉል ጉሙዝ ስምምዕነት ሰላም ከቲሞም

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ጉጅለ ዕጡቓት ምንቅስቓስ ናፃነት ህዝቢ ቤኒሻንጉል (ቤሕነን) ምስ መንግስቲ ክልል ቤኒሻንጉል ጉሙዝ ስምምዕነት ሰላም ብምክታም ኣብ ስራሕቲ ልምዓትን ሰላምን ብሓባር ንምስራሕ ሎሚ ናብቲ ክልል ኣምሪሖም፡፡ ጉጅለ ዕጡቓት ምንቅስቓስ ናፃነት ህዝቢ…

ኣብ ክልል ትግራይ 98 ሽሕ ሜትሪክ ቶን ምግቢን ምግቢ ተንከፍ ዘይኾኑ ሰብኣዊ ሓገዛትን ከምዝተኸፋፈለ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ትግራይ ደገፍ ንዘድልዮም ወገናት ዝኸውን ልዕሊ 98 ሽሕ ሜትሪክ ቶን ምግቢን ምግቢ ተንከፍ ዘይኾኑ ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዝተኸፋፈለ ኮሚሽን ኣመራርሓ ስግኣት ሓደጋ ኣፍሊጡ። ኣብ ክልል ትግራይ ዝስራሕ ዘሎ ዘይተገደበ ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዝ…