Fana: At a Speed of Life!

ኮሚቴ ቀይ መስቀል ኣብ ኢትዮጵያ ን390 ሺሕ ዜጋታት ሓገዝ እኽሊ ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ዓለም ለኸ ኮሚቴ ቀይ መስቀል ኣብ ዝተፈላለዩ ክልላት ኢትዮጵያ ንዝርከቡ 390 ሺሕ ዜጋታት ሓገዝ ገንዘብን እኽሊን ምግባሩ ኣፍሊጡ። ብዝተገበረ ሓገዝ ንዝቕፅል እዋን ክራማት መፍረያይነት ንምውሳኽ ዘኽእሉ ምሩፅ ዘርኢን እታወት ሕርሻን ንምምላእ ዝጠቅም…

ብጎንፂ ዝተጎድኡ ወገናት መሊስካ ናይ ምጥያሽ ፕሮጀክት ውፅኢታዊ ንኽኸውን ብዕቱብ ይስራሕ ኣሎ – ሚኒስቴር ገንዘብ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ብጎንፂ ዝተጎድኡ ወገናት መሊስካ ናይ ምጥያሽ ፕሮጀክት ውፅኢታዊ ንኽኸውን መንግስቲ ብዕቱብ እናተሰርሐ ምዃኑ ሚኒስቴር ገንዘብ ኣፍሊጡ። “ኣብ ኢትዮጵያ ብጎንፂ ዝተጎድኡ ወገናት መሊስካ ናይ ምጥያሽ ፕሮጀክት” ንመዳርግቲ ኣካላት ዕላዊ ኣብ ዝተገበረሉ…

ለውጢ ስዒቦም ኣብ ዝወፅኡ ሕጊታት ዝረኣዩ ክፍተታት ተፈፃምነት መፅናዕቲ ብምግባር ምክረ ሓሰሳብ ዘቕርብ ጉጅለ ተወዲቡ ናብ ስራሕ ከምዝኣተወ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሃገራዊ ለውጢ ስዒቦም ኣብ ዝወፅኡ ሕጊታት ዝረኣዩ ክፍተታት ተፈፃምነት መፅናዕቲ ብምግባር ምክረ ሓሰሳብ ዘቕርብ ጉጅለ ተወዲቡ ናብ ስራሕ ከመዝኣተወ ተገሊፁ። እቶም ሕጊታት ኣዋጅ ምምሕዳር ኣፅዋራት ኲናት፣ ኣዋጅ ስነ ሰርዓት ምምሕዳር፣ ኣዋጅ ጠበቓታት፣…

ኣይተ ደመቀ መኮነን ምስ ዋና ዳይሬክተር ፕሮግራም ምግቢ ዓለምን ሚኒስትር ዓለም ለኸ ትሕብብር ስዊድንን ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 8 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ኣይተ ደመቀ መኮነን ምስ ዋና ዳይሬክተር ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ዴቪድ ቢስሊን ሚኒስትር ዓለም ለኸ ትሕብብር ስዊድን ማቲልዳ ኧርንክራንስ ን ተዛቲዮም። እቲ ዘተ፥ ኣብ ዝተጎድኡ ከባቢታት ዝግበር…

ሃገር ለኸ ኮንፈረንስ መፅናዕቲን ምርምርን ኣብ ዩኒቨርሲቲ ወራቤ ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)2ይ ሃገር ለኸ ኮንፈረንስ መፅናዕቲን ምርምርን “ምርምር ቀፃልነት ንዘለዎ ምዕባለ” ብዝብል መሪሕ ቃል ኣብ ዩኒቨርሲቲ ወራቤ ይሳለጥ ኣሎ። እቲ መድረኸ ኮንፈረንስ ምርምር፥ ኣብ ጉዳይ ምርምር ዓቕሚ መምህራን ንኸጎለልብቱ ካብ ነባር ተመራመርቲ ልምዲ…

ኣብ ቤትኪንግ ፕሪሚየርሊግ ኢትዮጵያ ጋንታ ኢትዮጵያ ቡና ንጋንታ ኣዳማ ከተማ ስዒራታ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢሲ)ኣብ መበል 26 ሰሙን ፀወታ ቤትኪንግ ፕሪሚየርሊግ ኢትዮጵያ ጋንታ ኢትዮጵያ ቡና ንጋንታ ኣዳማ ከተማ 2 ን 1 ስዒራታ። ኣብ ስታዲየም ባህርዳር ዝተኻየደ ፀወታ ጋንታ ኣዳማ ከተማ ክሳብ ዕረፍቲ ብብሕታዊ ሽቶ ኣሜ መሓመድ እናመርሐት ትፅናሕ እምበር ድሕሪ…

ጉጅለ ራዕዲ ሸኔን ንባዕሉ ግንባር ነፃነት ጋምቤላ ብምባል ዝፅውዕ ጉጅለ ዕጡቕን ሃንደበት ኣብ ከተማ ጋምቤላ ዝኸፈትዎ መጥቃዕቲ ፈሺሉ-ኣይተ ኡሞድ ኡጁሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ጉጅለ ራዕዲ ሸኔን ንባዕሉ ግንባር ነፃነት ጋምቤላ ብምባል ዝፅውዕ ጉጅለ ዕጡቕን ሃንደበት ኣብ ከተማ ጋምቤላ ዝኸፈትዎ መጥቃዕቲ ብዝተዋደደ ፃዕሪ ሓይሊታት ፀፅታ ፈሺሉ ክብሉ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ጋምቤላ ኣይተ ኡሞድ ኡጁሉ ገሊፆም። ሓይሊታት ፀፅታ…

ቻይና ምስ ኣሜሪካ ኣደላዪ ናብ ዘይኮነ ንሕንሕ ክትኣቱ ከምዘይትደሊ ኣፍሊጣ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ቻይና ምስ ኣሜሪካ ኣብ ዝህልዋ ርክብ ኣደላዪ ናብ ዘይኮነ ንሕንሕን ሰሓቦ ጉተቶን ክትኣቱ ከምዘይትደሊ ኣፍሊጣ። ኣባል ማእኸላይ ኮሚቴ ኮሙዩኒስት ፓርቲ ቻይናን ዳይሬክተር ቤት ፅሕፈት ኮሚሽን ጉዳያት ወፃኢን ዝኾኑ ያንግ ጂቺ፥ ኣሜሪካ ብዝተፈላለዩ…

ኣብ እንግሊዝ ዑቕባ ዝሓተቱን ናብ ሩዋንዳ ክለኣኹን ዝነበሩ ስደታት በረረኦም ተኣጊዱ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 8 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ እንግሊዝ ዑቕባ ዝሓተቱን ናብ ሩዋንዳ ክለኣኹን ዝነበሩ ስደታት በረራ ኣውሮፕላን ብቤት ፍርዲ ከምዝተኣገደ ተገሊፁ። እታ ኣውሮፕላን ንበረራ ኣብ ዝተሰናደአትሉ እዋን ከምዝተኣገደ ተሓቢሩ። እንግሊዝ ካብ ኲናት ሃዲሞም ናብታ ግዝኣት ዝኣተዉ…

ንብረት ኣእምሮ ሃገራዊን ልምዓት ሴክተራትን ሸቶታት ኣብ ምዕዋት ወሳኒ ግደ ከምዘለዎ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ንብረት ኣእምሮ ሃገራዊን ልምዓት ሴክተራትን ሸቶታት ኣብ ምዕዋት ወሳኒ ግደ ከምዘለዎ በዓል መዚ ነብረት ኣእምሮ ኢትዮጵያ ገሊፁ። ዋና ዳይሬክተር እቲ በዓል መዚ ዶክተር ኤርሚያስ የማነ ብርሃን፥ እቲ በዓል መዚ ምስ ትካል ንብረት ኣእምሮ ዓለም ብምዃን…