Browsing Category
ዜናታት ውሽጢ ዓዲ
ሕብረት ኣፍሪካ ኢትዮጵያን ሶማሊያን ዝገበርኡ ስምምዕነት ከምዝድግፍ ገሊፁ
ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሶማሊያን ዝተገበረ ስምምዕነት ከምዝድግፍ ኣፍሊጡ።
ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ሙሳ ፋኪ ማህማት፥ ኣብ መንጎ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)ን ፕሬዚዳንት ሓሰን ሸኽ ዝተገበረ ስምምዕነት ንኢዶም።…
ህንፀት መዕርፎ ነፈርቲ መቱ-ጎሬ 60 ሚኢታዊ በፂሑ
ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ብሚኒስትር ተፀዋዒ መንግስቲ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ተስፋዬ ቤልጂጌ (ዶ/ር) ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ መቱ-ጎሬ ዑደትይ ኣካይዱ።
ተስፋዬ ቤልጂጌ (ዶ/ር)፥ እቲ መዕርፎ ነፈርቲ ነቲ ዞባ መነሃሪያ ኢንቨሰትመንትን ሃወፅቲን ኣብ ምግባር…
ኢጋድ ስምምዕነት ኣንካራ ከምዝድግፍ ገሊፁ
ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢጋድ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ሶማሊያን ዝተገበረ ስምምዕነት ኣንካራ ከምዝድግፍ ገሊፁ።
ዋና ፀሓፊ ኢጋድ ወርቅነህ ገበየሁ (ዶ/ር) ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፥ ብኣደራዳሪነት ቱርኪ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ሶማሊያን ዝተገበረ ስምምዕነት…
ኣገልግሎት ስደተኛታትን ተመለስቲን፥ መዐቀኒ ንዘማልኡ ኣካላት ብዘይኣፈላላይ ኣገልግሎት ይህብ ከምዘሎ ገሊፁ
ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣገልግሎት ስደተኛታትን ተመለስቲን፥ መዐቀኒ ንዘማልኡ ኣካላት ብዘይኣፈላላይ ኣገልግሎት ይህብ ከምዘሎ ገሊፁ።
ኢትዮጵያ ካብ 26 ሃገራት ከለላን ሓለዋን ደሊዮም ንዝመፅኡ ልዕለዒ 1 ነጥቢ 1 ሚሊየን ስደተኛታት ሓለዋን ከለላን ትህብ ከምዘላ እቲ…
ጀርመን ስርዓት ማሕበራዊ ሓለዋ ንምጥንኻር ደገፍን ምትሕብባርን ከምእትገብር ገሊፃ
ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)መንግስቲ ጀርመን ተረባሕነት ደቂ ኣኒስቲዮን መናእሰይን ንምርግጋፅ ዝዓለመ ስርዓት ማሕበራዊ ሓለዋ ንምጥንኻር ደገፍን ምትሕብባርን ከምእትገብር ገሊፁ።
ሚኒስትር ደቂ ኣኒስቲዮን ማሕበራዊ ጉዳይን ኤርጎጌ ተስፋዬ (ዶ/ር)ን ልኡኸንን ምስ ኣምባሳደር…
ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዘሎ ሓዱሽ ኣወዳድባ ጣቢያታት ልምዓት ተበፃሒ ንምግባር ዓቕሚ ዝፈጥር ከምዝኾነ ተገሊፁ
ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዘሎ ሓዱሽ ኣወዳድባ ጣቢያታት መርሃ ግብሪታት ልምዓት ተበፃሒ ንምግባር ዓቕሚ ዝፈጥር ከምዝኾነ ተገሊፁ።
ብሚኒስትር ዋና ተፀዋዒ መንግስቲ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ተስፋዬ ቤልጂጌ (ዶ/ር) ዝተምርሐ ልኡኽ ኣብ ዞባ ኢሉባቦር ወረዳ…
ኣብ ማእኸላት ዕዳጋ ሓሙስን መቐለን ልዕሊ 3 ሺሕን 500 ነበር ተዋጋእቲ ናብ ማሕበረሰቦም ተሓዊሶም
ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ክልል ትግራይ ማእኸላት ዕዳጋ ሓሙስን መቐለን ልዕሊ 3 ሺሕን 500 ነበር ተዋጋእቲ ናብ ማሕበረሰቦም ከምዝተሓወሱ ብሄራዊ ኮሚሽን ተሃድሶ ኣፍሊጡ።
እቲ ኮሚሸን ኣብ ክልል ትግራይ ይገብሮ ብዘሎ ኣተገባብራ እግሪ ምትካል፣ ዘጋጠሙ ፀገማትን…
ድርድር ኢትዮጵያን ሶማሊያን ብዓወት ተዛዚሙ
ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ብፕሬዚዳንት ቱርክ ረሲፕ ጣይብ ኤርዶሃን ኣደራዳሪነት ኣብ ኣንካራ ዝተኻየደ ድርድር ኢትዮጵያን ሶማሊያን ብዓወት ተዛዚሙ።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)፥ ህዝብታት ኢትዮጵያን ሶማሊያን ብቛንቋ፣ ባህሊን ደምን ዝተዛመዱ ምዃኖም ገሊፆም።…
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ምስ ፕሬዚዳንት ቱርኪ ተዛቲዮም
ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ምስ ፕሬዚዳንት ቱርኪ ሬሲፕ ጣይብ ኤርዶሃን ተዛቲዮም፡፡
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትርን ልኡኾምን ሎሚ መዓልቲ ድሕሪ ቀትሩ ናብ ቱርኪ ኣንካራ ከምዝኣተወ ይፍለጥ፡፡
ኣብቲ እዋን ድማ ፕሬዚዳንት ቱርኪ ሓዊሱ…
2ይ ኤርባስ ኤ350-1000 ኣውሮፕላን ዝህቦ ምቹው ኣገልግሎት ከምዘጠናኽር ተሓቢሩ
ኣዲስ ኣበባ ፣ 2 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ 2ይ ኤርባስ ኤ350-1000 (ET-BAX) ኣውሮፕላን እቲ መገዲ ኣየር ንዓማዊል እናሃቦ ዝርከብ ምቹውን ዘበናዊን ኣገልግሎት ዘጠናኽር ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡
ካብዚ ሓሊፉ ድማ እቲ መገዲ ኣየር ኣብ ዓውዲ ኣቪዬሽን መሪሕ መገዲ…