Fana: At a Speed of Life!
Monthly Archives

October 2026

መዓልቲ ሰንደቕ ዕላማ ንኢትዮጵያዊ መንነት ብሓባር እነማዕብለሉ ዓብዩ ሃገራዊ ዕለት እዩ – ፕሬዚዳንት ታዬ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ጥቅምቲ ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ) መዓልቲ ሰንደቕ ዕላማ ንህብረ ብሄራዊ ኢትዮጵያዊ መንነት ብሓባር እነማዕብለሉ ዓብዩ ሃገራዊ ዕለት እዩ ኢሎም ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀ ስላሴ፡፡ “ሰንደቕ ዕላማና ንሃገራዊ ምርድዳእን ንሓድነትናን” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ክኽበር ዝጀመረ መዓልቲ ሰንደቕ…

መበል 19 ሃገራዊ መዓልቲ ሰንደቕ ዕላማ ብድምቀት ይኽበር ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ) መበል 19 ሃገራዊ መዓልቲ ሰንደቕ ዕላማ ብድምቀት ምኽባር ጀሚሩ፡፡ “ሰንደቕ ዕላማና ንሃገራዊ ምርድዳእን ንሓድነትናን” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ክኽበር ዝጀመረ መዓልቲ ሰንደቕ ዕላማ፣ ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀ ሥላሴ ብዕሊ ኣጀሚሮምዎ። እቲ መርሃ…

ኢትዮጵያ፤ ዓባይ ሃገር፣ ዓብዪ ህዝቢ፣ ዓቢይ ራኢ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ ብስፍሓት መሬታ ጥራሕ ዘይኮነትስ ንዘበናት ዝተሳገረ ታሪኽ፣ ብብዙሓት ወለዶታት ዝተሃነፀ መንነት፣ ብፈተናታት ዘይተሰብረ ፅንዓትን ካብ ሎሚ ንላዕሊ ንመፃኢ ዝጥምት ህዝቢን ዝሓቖፈት ሃገር እያ። ዓብዪ ምዃን ሕሉፍ ታሪኽ ምዝንታው ጥራሕ…

ትርጉም ቀለማት ሰንደቕ ዕላማ ኢትዮጵያ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)መበል 19 ብሄራዊ መዓልቲ ሰንደቕ ዕላማ ሎሚ መዓልቲ ኣብ መላእ ሃገር ብዝተፈላለዩ ምድላዋት እናተኸበረ ይርከብ። እቲ ዕለት “ሰንደቕ ዕላማና ንብሄራዊ ምርድዳእን ንሓድነትናን” ብዝብል መሪሕ ቃል እዩ ዝኽበር። ብመሰረት ሕገ መንግስቲ ፌዴሪኢ…

ካብ ዓድዋ ክሳብ ፓን-ኣፍሪካኒዝም፤ ሰንደቕ ዕላማ ኢትዮጵያ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ሰንደቕ ዕላማ ኢትዮጵያ ካብ መለለዪ ሓንቲ ሃገር ኣዝዩ ዝዓዘዘ ትርጉም ዘለዎ፤ ዓለም ለኸ ምልክት ናፅነት፣ ሉኣላዊነትን ሓድነትን ፀለምቲ ህዝብታት እዩ። ብሓለዋይ፣ ብጫን ቀይሕን ሕብሪታት ዘለዉዎ እዚ ሰንደቕ ዕላማ፤ ብጀግንነትን መስዋእትነትን…

መበል 19 ብሄራዊ መዓልቲ ሰንደቕ ዕላማ ይኽበር ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)መበል 19 ብሄራዊ መዓልቲ ሰንደቕ ዕላማ ሎሚ መዓልቲ ብዝተፈላለዩ ምድላዋት ብድምቀት ይኽበር ኣሎ። እቲ ዕለት “ሰንደቕ ዕላማና ንብሄራዊ ምርድዳእን ንሓድነትናን” ብዝብል መሪሕ ቃክ እዩ ዝኽበር ዘሎ። እቲ ምድላው ኢትዮጵያውያን ዶብን ክብሪን…

ሸገር ከተማ፣ ባህር ዳር ከተማን መቻልን ተጋጠምተን ስዒረን

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ቀዳማይ ሰሙን መርሃ ግብሪ ፀወታ ሲቢኢ ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ሸገር ከተማ፣ ባህር ዳር ከተማን መቻልን ንተጋጠምተን ብተመሳሳሊ ውፅኢት 1 ን 0 ስዒሮም። ሎሚ ቀጥሪ ሰዓት 9 ኣብ ስታድየም ኣዲስ ኣበባ ኢትዮጵያ ቡናን ሸገር ከተማን ኣብ…

ልምዓት ከተማታትን ስግግር ዲጂታልን ንሃገራዊ ዕቤት

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ ኣብ መዲና ከተማ ኣዲስ ኣበባ ይካየድ ዘሎ ልምዓት ኮሪደር መልክዕ ከተማታትና ብልዑል ቅልጣፈ እናቐየረ ይርከብ። እዚ ዓብዪ መሰረተ ልምዓት ከተማታት ኣብ ምዝማን፣ ንነበርቲ ምቹው ከባቢ ኣብ ምፍጣርን ናብራ ህዝቢ ኣብ…

ሽመልስ እሸቱ (ኢ/ር) ዋና ዳይሬክተር ምምሕዳር መገዲታት ኢትዮጵያ ብምዃን ተሾይሞም

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ሎሚ መዓልቲ ንሽመልስ እሸቱ (ኢ/ር)ዋና ዳይሬክተር ምምሕዳር መገዲታት ኢትዮጵያ ብምግባር ሾይሞም። #ኢትዮጵያ #ዓባይሃገር #ዓብዪህዝቢ #ዓብዪራኢ

ገምጋም ኣፈፃፅማ ትልሚ ቀዳማይ ርብዒ ዓመት ዛዚምና – ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ንተኸታታሊ ክልተ መዓልታት ከነካይዶ ዝፀናሕና ገምጋም ኣፈፃፅማ ትልሚ ገምጋም ኣፈፃፅማ ምምሕዳር ከተማና ዛዚምና። ኣብ ገምጋምና ድማ ኣብ ቀዳማይ ርብዒ ዓመት ነበርቲ ከተማና ዝሃቡና እምነትን ዝሃቡና ሓላፍነትን ብተኣማንነት ንምውፃእ ብዝኣተናዮ ቃል…