ዜናታት ውሽጢ ዓዲ ኣይተ ኣሻድሊ ሓሰን ርእሰ ምምሕዳር ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ ብምዃን ተሰይሞም Gebremariam Weldegerima Oct 2, 2026 0 ኣዲስ ኣበባ፣ 22 መስከረም፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ቤት ምኽሪ ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ ንኣይተ ኣሻድሊ ሓሰን ዳግም ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ብምግባር ሰይሙዎም። ርእሰ ምምሕዳር ኣይተ ኣሻድሊ ሓሰን፤ ኣብ ቅድሚ እቲ ጉባኤ ብምቕራብ ቃለ ማሕላ ፈፂሞም።
ዜናታት ውሽጢ ዓዲ ቤት ምኽሪ ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ ንወ/ሮ ኣስካለች ኣልቦሮ ኣፈ ጉባኤ ብምግባር ሰይሙ Gebremariam Weldegerima Oct 2, 2026 0 ኣዲስ ኣበባ፣ 22 መስከረም፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ቤት ምኽሪ ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ እናካየዶ ኣብ ዝርከብ 7ይ ዘበን መረፃ ጉባኤ ምስረታኡ፣ ንወ/ሮ ኣስካለች ኣልቦሮ ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ እቲ ክልል ብምግባር ሾይሙወን። ብተወሳኺ ድማ ንኣይተ ረመዳን ሓሩን ምክትል ኣፈ ጉባኤ ገይሩ መሪፁዎም።…
ዜናታት ውሽጢ ዓዲ ተስፋዬ በልጅጌ (ዶ/ር) ብመዓርግ ምኽትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ኮይኖም ተሰይሞም mizan mekonen Oct 2, 2026 0 ኣዲስ ኣበባ፣ 22 መስከረም፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ) ቤት ምኽሪ ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ 7ይ ዘበን ስራሕ 1ይ ዓመት 1ይ መስራቲ ጉባኤኡ ምክያድ ጀሚሩ። እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ጉባኤኡ ተስፋዬ በልጅጌ (ዶ/ር) ብመዓርግ ምኽትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ገይሩ መሪፁ፡፡
ዜናታት ውሽጢ ዓዲ ኣይተ ኣብዱላሂ ኣደን ዩሱፍ ከንቲባ ምምሕዳር ድሬዳዋ ብምዃን ተሾይሞም Gebremariam Weldegerima Oct 2, 2026 0 ኣዲስ ኣበባ፣ 22 መስከረም፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ቤት ምኽሪ ምምሕዳር ድሬዳዋ ንኣይተ ኣብዱላሂ ኣደን ዩሱፍ ከንቲባ እቲ ምምሕዳር ብምግባር መሪፁዎም። ቤት ምኽሪ ምምሕዳር ድሬዳዋ ኣብ ምስረታ ጉባኤኡ ዝተፈላለዩ ሹመታት ከፅድቕ እዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ። ብምንያህል መለሰ #ኢትዮጵያ…
ዜናታት ውሽጢ ዓዲ ኣይተ ፍቅሬ ኣማን ርእሰ ምምሕዳር ክልል ህዝብታት ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያ ብምዃን ተሾይሞም Gebremariam Weldegerima Oct 2, 2026 0 ኣዲስ ኣበባ፣ 22 መስከረም፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ቤት ምኽሪ ክልል ህዝብታት ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያ 7ይ ዘበነ ስራሕ 1ይ ዓመት ጉባኤ ምስረታኡ የካይድ ኣሎ። እቲ ቤት ምኽሪ ኣብቲ ጉባኤ ንኣይተ ፍቅሬ ኣማን ርእሰ ምምሕዳር ክልል ህዝብታት ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያ ብምግበራር መሪፁዎም።
ዜናታት ውሽጢ ዓዲ ኣይተ ኦርዲን በድሪ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ሃረሪ ብምዃን ተሾይሞም Gebremariam Weldegerima Oct 2, 2026 0 ኣዲስ ኣበባ፣ 22 መስከረም፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ቤት ምኽሪ ክልል ሐረሪ እናካየዶ ኣብ ዝርከብ 7ይ ዘበን ስራሕ 1ይ ዓመት ጉባኤ ምስረታኡ ንኣቶ ኦርዲን በድሪ ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ብምግባር ዳግም መሪፁዎም። እቲ ቤት ምኽሪ ካብዚ ብተወሳኺ፤ ካልኦት ሽመታት ከፅድቕ እዩ ዝብል ትፅቢት…
ዜናታት ውሽጢ ዓዲ ሰላም እቲ ዞባን ትንሳኤ ኣፍሪካን ብትምኒት ሽርሐኛታት ኣይኹለፍን Gebremariam Weldegerima Oct 2, 2026 0 ኣዲስ ኣበባ፣ 22 መስከረም፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ ብታሪኻ፣ ብጂኦግራፊያዊ ኣቀማምጣኣን ዓንዲ ሑቐ ስትራቴጂካዊ ሚዛን እቲ ዞባን እያ። ኣብ ታሪኻ ናይ ባዕላ ሉኣላውነትን ናፅነትን ጥራሕ ዘይኮነትስ ንናፅነት መላእ ፀለምቲ ህዝብታት፣ ንምስረታ ሕብረት ኣፍሪካን ንምሕላው ሰላም እቲ ዞባን…
ዜናታት ውሽጢ ዓዲ ኢሬቻ መደመቒ ባህሊ፣ ኣዋጅ ምስጋና mizan mekonen Oct 2, 2026 0 ኣዲስ ኣበባ፣ 22 መስከረም፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ) ክረምቲ ሓሊፉ ዕምባባታት ክዕምብቡ፣ ሩባታት ክውሕዙን መሬት ብሓምለዋይ ተኽሊ ክሽፈንን እንከሎ፣ ህዝቢ ኦሮሞ ፈጣሪኡ “ዋቃ” ንምምስጋን ናብ ሆራ ይኸይድ። ኢሬቻ ምስ ምትእስሳር እዋናት ዝሓለፈ ዝፀንሐ ክብሪ ስርዓት ገዳ፣ ዓብዩ ባህላዊ በዓል…
ዜናታት ውሽጢ ዓዲ ቅኒት ቀንዲ ተግባራት ቀዳማይ ሚኒስትር ወርሒ ነሓሰን መስከረምን mizan mekonen Oct 1, 2026 0 ሓምለዋይ ኣሰር፡- “ተስፋን ንትከል” ብዝብል መሪሕ ቃል ክካየድ ዝፀንሐ ናይ 2018 ዓ.ም መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ምዝዛሙ ምክንያት ብምግባር መርሃ ግብሪ ተኸላ ፈልሲ ተኻይዱ። ኣብቲ መርሃ ግብሪ ድማ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶር)ን ቀዳማዊት እመቤት ዝናሽ ታያቸውን ምስ ላዕለዎት…
ዜናታት ውሽጢ ዓዲ ቤት ምኽሪ ክልል ኣምሓራ ዝተፈላለዩ ሹመታት ኣፅዲቑ mizan mekonen Oct 1, 2026 0 ኣዲስ ኣበባ፣ 21 መስከረም፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ) ቤት ምኽሪ ክልል ኣምሓራ ብርእሰ ምምሕዳር ኣረጋ ከበደ ዝቐረቡ ዝተፈላለዩ ሹመታት ኣፅዲቑ። በዙይ መሰረት፦ ድረስ ሳህሉ (ዶ/ር) – ብመዓርግ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር መተሓባበሪ ዘፈር ገፀር ዘሪሁን ፍቅሩ (ዶ/ር) – ብመዓርግ…