ብበዝሒ ዝተነበቡ
- ኣብ ከተማ መቐለ ዕድላት ስራሕ ንምፍጣር ዝሕግዝ ዲጂታል ምዝገባ ይካየድ ኣሎ – ከንቲባ ሺሻይ (ዶ/ር) ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሕዳር፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ከተማ መቐለ ዕድላት ስራሕ ንምፍጣር ዝሕግዝ ዲጂታል ምዝገባ ይካየድ ኣሎ ኢሎም ኣብ በዓል ሓደራ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ከንቲባ ከተማ መቐለ ሺሻይ ኣማረ (ዶ/ር)። በዓል ሓደራ ምምሕዳር ከተማ መቐለ ኣፈፃፅማ ስራሕ ዝሓለፉ 30 መዓልታት ገምጊሙ። ከንቲባ ሺሻይ (ዶ/ር) ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ ከምበሉዎ፤ ስልጠና ተሃድሶ ዝወሰዱ ነበር ዕጡቓት ኣብ መቐለ ኣብ ዝካየድ ስራሕቲ ልምዓት ኮሪደር ምፍጣር ዕድል ስራሕ ክካተቱ እዮም። ኣብ መቐለ ንመሰል ፈጠራ ዕድል ስራሕ ዝሕግዝ ዲጂታል ምዝገባ ይካየድ ከምዘሎ እውን ተዛሪቦም። እዚ ዲጂታል ምዝገባ መናእሰይ እታ ከተማ ኣብ ስራሕቲ ልምዓት ክሳተፉ ዘኽእል ምዃኑ ኣብሪሆም። በዚ ድማ ስልጠና ተሃድሶ ዝወሰዱ ነበር ዕጡቓት ኣብ ስራሕቲ ልምዓት ኮሪደር ተኻቲቶም ስራሕ ንኽጅምሩ ዘኽእል ምቹው ኩነታት ይፍጠር ከምዘሎ ኣመልኪቶም። እቲ በዓል ሓደራ ምምሕዳር ዝተውሃቦ ሓላፍነት ከምዝፈፀመ ዘረጋግፅ፤ ህዝቢ እቲ ክልል ንመረፃ ምቹው ዝኾነ ሃዋህው ክፈጥር እንተኽኢሉ ምዃኑ እውን ኣረጋጊፆም። ስለዝኾነ ድማ ህዝቢ ዝመረፆ መንግስቲ ተጣይሹ ንምርኣይ እቲ በዓል ሓደራ ምምሕዳር ዝከኣሎ ኩሉ ከምዝገብር ኣረጋጊፆም። #ኢትዮጵያ #ዓባይሃገር #ዓብዪህዝቢ #ዓብዪራኢ ብኣሸናፊ ሽብሩ
- ህዝቢ ትግራይ ንምውጋድ እቲ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ዘርአዮ ቆራፅነት ልዑል ፅንዓት ዝተራኣየሉ እዩ – ከንቲባ ሺሻይ (ዶ/ር)
- ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ዝሓለፉ 30 መዓልታት ሰላም ኣብ ምስፋንን ትካላት ናብ ስሩዕ ስራሕ ኣብ ምምላስን ውፅኢታዊ ስራሕቲ ተኻይዶም – ሺሻይ ኣማረ (ዶ/ር)
- ቱርኪየ ኣብ ጉባኤ ኮፕ31 ስምምዕነታት ኢንቨስትመንት 26 ቢልዮን ዶላር ኣካይዳ
- ሉኣላዊነት ጥዕና፤ ሓድሽ ኣንፈት ልምዓት ኢትዮጵያ
- ኢትዮጵያ፤ ዘይትናጋዕ መልህቕ ምብራቕ ኣፍሪካ
- ንስጉምቲታት ሰላምን ልምዓትን መንግስቲ መደመር ዝኸሓዱ ውንጀላታት
- ኣዲስ ኣበባ ዓበይቲ ፍፃመታት ናይ ምትእንጋድ ዓቕማ አዕብያ እያ – ሰላማዊት ካሳ
- መድረኽ ዘተ ሃገራት ኣፍሪካ ኣብ ዓለም ለኸ ስምምዕነት ምትሕብባር ታክስ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይካየድ ኣሎ
- ፎረም ልምዓት ንግዲ ኣፍሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክካየድ እዩ